Friday , April 26 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍና ኣብ እዋን ጸበባ ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ምንጪ ሓጎሰካ ኣብ ዘይንቕነቕ ውሸጣዊ ከውሕኻ ጥራይ ኢኻ ትሃንጾ፡፡

ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተትፍርድ ኣብቲ እትጸንሓሉ ቤት ማሕቡስ እንታይ እናገበርካ ግዜኻ መሕለፍካዮ? ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ ምጸሓፍካዶ? ቦትዬስ ከምኡ እዩ ዝገበረ፡፡ እታ ኣዝያ ዘበለጸት ናይ ፍልስፍና ስርሑ ኸኣ ንሳ ነበረት፡፡ ቦትዬስ ማኒለስ
(475-525) ኣብ ዘመነ ሮማ ካብ ዝነበሩ ፈላስፋታት እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ሮማ ብኢድ ባርባርያውን ቅድሚ ምዕናዋ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ እዩ ብሞት እተቐጽዐ፡፡
እንተኾነ ኣብ ዘመኑ”ውን ሮማ ነቲ ዘይትምለሰሉ ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ድሮ ተተሓሒዛቶ ነበረት፡፡ ከምቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ፈላስፋታት ቦትዬስ ንፍለልስፍና ብዝረቐቐ ኣገባብ ብዛዕባ ህይወትካን ከባቢኻን እተስተንትነሉ ኣገባብ ጌሩ እዩ ዝሓስቦ ዝነበረ፡፡ በዚ ተደሪኹ ድማ ነቶም ንሓዋሩ ከይጠፍኡ ዝፍራሃሎም ዝነበረ ፍልስፍናዊ ስርሓት ፕላቶን ኣሪስቶትልን ናብ ላቲንኛ ብምትርጓም ኣብ መንጎ ሮማውያንን ግሪኻውያንን ናይ ሓሳባት ድልድል ክሃንጽን ኣብቲ እናጸልመተ ዝኸይድ ዝነበረ ዘመን ገለ ብርሃን ከመንጩን ጸዓረ፡፡ ከም ሰዓቢ ሃይማኖት ክርስትና መጠን ፍልስፍናዊ ጽሑፋቱ ብስነ-መለኮታዊ ኣመለኻኽታ እቲ ሃይማኖት እተጸልዉ ነበሩ፡፡ ድሕሪ ሞቱ ንዝሰዓባ ብዙሓት ዘመናት ከኣ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ንዝነበረ ክርሰትያናዊ ፍልስፍና ብብዙሕ መዳዩ ብግሪኻዊ ፍልስፍና ክጽሎ ዓቢ ኣበርክቶ ምግባሩ ይንገረሉ፡፡
ህይወት ቦትዬስ ጽቡቕን ሕማቕን ዕድላት ዝተፈራረቓ ነበረት፡፡ ኣብ ዘመኑ ንሮማ ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ ቲዮዶሪክ ንቦተዬስን ደቁን ናይ ቆነስል ማዓርግ ብምሃብ ሞጎሶም፡፡ ሃብቲ፡ ሕጉስን ዕዉትን ቤተሰብ፤ ስልጣን ኩለን ሰተት ኢለን ናብ ቤቱ ኣተዋ፡፡
እዚ ድማ ጎድኒ ጎድኒ”ቲ ናይ መንግስታዊ ስርሑ ብወጠጥ ናብራ ከይተሸገረ ወሰን ኢሉ ክፈላሰፍን ክጽሕፍን ክትርጉምን፤ ብዛዕባ ህይወት ብሓፈሻ ኣዕሚቑ ከስተንትንን ኣኽኣሎ፡፡ ኣዝዩ ሕጉስን ምሉእን ህይወት ድማ ይመርሕ ነበረ፡፡ እንተኾነ ግና
ህይወቱ ንቑልቁል ዝደፋኣሉ ሕማቕ ዕድል ብሃንደበት መጾ!
ንንጉስ ቲዮዲክ ክትዓሉ ውዲት ኣሊምካ ብዝብል ክሲ ካብ ሮማ ናብታ ዝእሰረላን ብሞት ዝቕጻዓላን ራቬና ተላእከ፡፡ ካብዚ እተኸሰሉ ገበን ንጹህ ምዃኑ ከእምኖም ብዙሕ እኳ እንተጸዓረ ቃሉ ብፍጹም ክእመን ኣይተኻእለን፡፡ ክሳብ ብሞት ዝገላገል
ከኣ ኣብቲ እተታሕዘሉ ቤተማሕዩር ብዙሕ ስቓይን ግፍዕን ኣሕለፈ፡፡ ኣብዚ ቤትማእሰርቲ እናሃለወ ቦትዬስ “ምጽንናዕ ፍልስፍና” ዝሰመያ ኣዝያ ብልጽቲ መጽሓፍ ደረሰ፡፡ ኣብቲ ምንም ተስፋ ዘይብሉን ሞቱ ዝጽበየሉን ጸልማት ክፍሊ ኮይኑ
ብዛዕባ ዕድሉ እናማረረ እዩ እቲ ዛንታ ዝጅምር፡፡ ደሕሪ ብዙሕ ምስትምሳል ቅንዕ ምስ በለ ሓንቲ ግርምቲ ሰበይቲ እንቈልቊላ እናጠመተቶ ይረኽባ፡፡ እታ ሰበይቲ ቁመታ ንሰማይ ክሳብ ዝጥንቁር ኣዝያ ነዋሕ፤ ብሓደ ኢዳ በትረ-ስልጣን ብኻልእ ኢዳ ድማ መጸሓፍ ሒዛ ነበረት፡፡ እዛ ሰበይቲ ስጋ ዝለበሰት ፍልስፍና ነበረት፡፡ ንቦትዬስ ክሳብ ክንድዚ ምስናፉ እናገሰጸት ከኣ ነዚ ዘጋጠሞ ሕማቕ ዕድል ብኸመይ ክዋጽኣሉ ከም ዘለዎ ብልዙበ ቃላት መኸረቶ፤ ኣጸናንዓቶ፡፡ እቲ ዝተረፈ ክፋል እታ መጽሓፍ ኣብ መንጎ ቦትዬስን ፍልስፍናን እተገበረ ነዊሕ ዕላል እዩ ዝሽፍን፡፡ ዕድልን ፈጣሪን ከኣ ቀንዲ ኣርእስቶም እዮም፡፡ ብስዲ ጽሑፍን ሰራጺ ግጥሚን እተጻሕፈ ንህይወት ነፍሲወከፍ ዝትንከፍ ግዜ ዘይብልሎ ኣስተንትኖ ዝምእረረሉ ዝርርብ ቦትዬስን
ወይዘሪት ፍልስፍናን ከኣ ኣስፈረ፡፡

ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተትፍርድ ኣብቲ እትጸንሓሉ ቤት ማሕቡስ እንታይ እናገበርካ ግዜኻ መሕለፍካዮ? ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ ምጸሓፍካዶ? ቦትዬስ ከምኡ እዩ ዝገበረ፡፡  እታ ኣዝያ ዘበለጸት ናይ ፍልስፍና ስርሑ ኸኣ ንሳ ነበረት፡፡ ቦትዬስ ማኒለስ (475-525) ኣብ ዘመነ ሮማ ካብ ዝነበሩ ፈላስፋታት እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ሮማ ብኢድ ባርባርያውን ቅድሚ ምዕናዋ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ እዩ ብሞት እተቐጽዐ፡፡

እንተኾነ ኣብ ዘመኑ”ውን ሮማ ነቲ ዘይትምለሰሉ ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ድሮ ተተሓሒዛቶ ነበረት፡፡ ከምቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ፈላስፋታት ቦትዬስ ንፍለልስፍና ብዝረቐቐ ኣገባብ ብዛዕባ ህይወትካን ከባቢኻን እተስተንትነሉ ኣገባብ ጌሩ እዩ ዝሓስቦ ዝነበረ፡፡ በዚ ተደሪኹ ድማ ነቶም ንሓዋሩ ከይጠፍኡ ዝፍራሃሎም ዝነበረ ፍልስፍናዊ ስርሓት ፕላቶን ኣሪስቶትልን ናብ ላቲንኛ ብምትርጓም ኣብ መንጎ ሮማውያንን ግሪኻውያንን ናይ ሓሳባት ድልድል ክሃንጽን ኣብቲ እናጸልመተ ዝኸይድ ዝነበረ ዘመን ገለ ብርሃን ከመንጩን ጸዓረ፡፡ ከም ሰዓቢ ሃይማኖት ክርስትና መጠን ፍልስፍናዊ ጽሑፋቱ ብስነ-መለኮታዊ ኣመለኻኽታ እቲ ሃይማኖት እተጸልዉ ነበሩ፡፡ ድሕሪ ሞቱ ንዝሰዓባ ብዙሓት ዘመናት ከኣ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ንዝነበረ ክርሰትያናዊ ፍልስፍና ብብዙሕ መዳዩ ብግሪኻዊ ፍልስፍና ክጽሎ ዓቢ ኣበርክቶ ምግባሩ ይንገረሉ፡፡

ህይወት ቦትዬስ ጽቡቕን ሕማቕን ዕድላት ዝተፈራረቓ ነበረት፡፡ ኣብ ዘመኑ ንሮማ ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ ቲዮዶሪክ ንቦተዬስን ደቁን ናይ ቆነስል ማዓርግ ብምሃብ ሞጎሶም፡፡ ሃብቲ፡ ሕጉስን ዕዉትን ቤተሰብ፤ ስልጣን ኩለን ሰተት ኢለን ናብ ቤቱ ኣተዋ፡፡ እዚ ድማ ጎድኒ ጎድኒ”ቲ ናይ መንግስታዊ ስርሑ ብወጠጥ ናብራ ከይተሸገረ ወሰን ኢሉ ክፈላሰፍን ክጽሕፍን ክትርጉምን፤ ብዛዕባ ህይወት ብሓፈሻ ኣዕሚቑ ከስተንትንን ኣኽኣሎ፡፡ ኣዝዩ ሕጉስን ምሉእን ህይወት ድማ ይመርሕ ነበረ፡፡ እንተኾነ ግና ህይወቱ ንቑልቁል ዝደፋኣሉ ሕማቕ ዕድል ብሃንደበት መጾ!

ንንጉስ ቲዮዲክ ክትዓሉ ውዲት ኣሊምካ ብዝብል ክሲ ካብ ሮማ ናብታ ዝእሰረላን ብሞት ዝቕጻዓላን ራቬና ተላእከ፡፡ ካብዚ እተኸሰሉ ገበን ንጹህ ምዃኑ ከእምኖም ብዙሕ እኳ እንተጸዓረ ቃሉ ብፍጹም ክእመን ኣይተኻእለን፡፡ ክሳብ ብሞት ዝገላገል ከኣ ኣብቲ እተታሕዘሉ ቤተማሕዩር ብዙሕ ስቓይን ግፍዕን ኣሕለፈ፡፡ ኣብዚ ቤትማእሰርቲ እናሃለወ ቦትዬስ “ምጽንናዕ ፍልስፍና” ዝሰመያ ኣዝያ ብልጽቲ መጽሓፍ ደረሰ፡፡ ኣብቲ ምንም ተስፋ ዘይብሉን ሞቱ ዝጽበየሉን ጸልማት ክፍሊ ኮይኑ ብዛዕባ ዕድሉ እናማረረ እዩ እቲ ዛንታ ዝጅምር፡፡ ደሕሪ ብዙሕ ምስትምሳል ቅንዕ ምስ በለ ሓንቲ ግርምቲ ሰበይቲ እንቈልቊላ እናጠመተቶ ይረኽባ፡፡ እታ ሰበይቲ ቁመታ ንሰማይ ክሳብ ዝጥንቁር ኣዝያ ነዋሕ፤ ብሓደ ኢዳ በትረ-ስልጣን ብኻልእ ኢዳ ድማ መጸሓፍ ሒዛ ነበረት፡፡ እዛ ሰበይቲ ስጋ ዝለበሰት ፍልስፍና ነበረት፡፡ ንቦትዬስ ክሳብ ክንድዚ ምስናፉ እናገሰጸት ከኣ ነዚ ዘጋጠሞ ሕማቕ ዕድል ብኸመይ ክዋጽኣሉ ከም ዘለዎ ብልዙበ ቃላት መኸረቶ፤ ኣጸናንዓቶ፡፡ እቲ ዝተረፈ ክፋል እታ መጽሓፍ ኣብ መንጎ ቦትዬስን ፍልስፍናን እተገበረ ነዊሕ ዕላል እዩ ዝሽፍን፡፡ ዕድልን ፈጣሪን ከኣ ቀንዲ ኣርእስቶም እዮም፡፡ ብስዲ ጽሑፍን ሰራጺ ግጥሚን እተጻሕፈ ንህይወት ነፍሲወከፍ ዝትንከፍ ግዜ ዘይብልሎ ኣስተንትኖ ዝምእረረሉ ዝርርብ ቦትዬስን ወይዘሪት ፍልስፍናን ከኣ ኣስፈረ፡፡

ወይዘሪት ፍልስፍና ንቦትዬስ ዕድል ተለዋዋጢት ምዃና ብምዝኽኻር ደጋጊማ መዓደቶ፡፡ ዕድል ተሰልባጢት እያ፤ እዚ ፈጺሙ ከሰንብደካ የብሉን፡፡ ምኽንያቱ ዕድል ብባህሪኣ ከምኡ እያ፡፡ ዕንክሊል-ዕድል ሎሚ ንሰሜን ጽባሕ ንደቡብ እዩ፡፡ ቀዋምነት የብሉን፡፡ ሎሚ ሕጉስ ኣሎኻ፤ ጽባሕ ሃነደበት ትጉሂ፤ ሎሚ ድኻ ኣሎኻ ጽባሕ ከይሓሰበካዮ ትህብትም፡፡ ሃብታምን መሬት ዝጽየፍን ንጉስ ብሓንቲ ጽባሕ ብዕድል ተገፊዑን ተዋሪዱን ደኽዩን እንተረኸብካዮ ኣይትሰንብድ፤ ኣይትገረም፡፡ እዚ ዘይቅየር ኩነታት መነበሮ እዚ ዓለም ሰለዝኾነ ብዘይ ዝኾነ ምቑዛም ክትቅበሎ ዘሎካ ሓቂ እዩ፡፡ ሎሚ ኣብ ላዕሊ ኣሎኻ ማለት ጽባሕ ኣብ ላዕሊ ሰለምህላውካ ውሕስነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡፡

ሰባተ ሓጎሶም ኣብ ከመዚ ዘለ ተለዋዋጢን ውሕስነት ዘይብሉን ኩነት ዝምርኮስ ምግባሮም ኣዝዮም ረሲኣን እዮም ብምባል ድማ ናብ ካልእ ደረጃ ምስትንታን ክድይብ ሓገዘቶ፡፡ ሓቀኛ ሓጎስ ካብ ግዳም ዘይኮን እቲ ካብ ውሽጥና ዝወጽእ እዩ፡፡ እዚ ካብቲ ተለዋዋጢን ተስልባጢን ግዳማዊ ዓለም ዘይኮነ ካብቲ ደቂስብ ዝቆጻጸርዎን ከም ባህታኦም ዝገርሕዎን ውሻጠ እዩ ዝርከብ፡፡ ብባዕሉ ቅርሱሱ ወይ ሕማቕ ዝበሃል ዕድል ወይ ኣጋጣሚ እውን የሎን፤ እቲ ጉዳይ ብኸመይ ንጥምቶ ወይ ንርድኦ ወሳኒ እዩ፡፡

ቦትዬስ ገጽካ ናባይ ምለስ! ኣብ ጸልማት ማእሰርቲን ዝቑጸራ መዓልታትን እንሃለኻ”ውን ሕጉስ ካብ ምዃን ማንም ዝኽልክለካ የሎን፡፡ ሃብቲ፤ ስልጣን ፤ ዝና ፤ ቁንጅና በለይቲን ተሰልበጥቲን ጠላማትን  እዮም፡፡ ምንጪ ሓጎሰካ ኣብ ዘይንቕነቕ ውሸጣዊ ከውሕኻ ጥራይ ኢኻ ትሃንጾ፡፡…..

 (ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝቕጽል)                    


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com