Friday , April 19 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍና ኣብ እዋን ጸብባ ብናስሮቪች

ናብ ኣገዳሲ ቆጸራ ንምርካብ እናተዳሎኻ ሃንደበት ብርቱዕ ማይ ክሃርም ጀሚሩ ንበል፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ ብርግጽ፡፡

ክንዲ ዝጠልቀኹ እጠልቂ ኢልካ ኣብ ቦታ ቆጸራኻ ብግዜ ንምብጻሕ ካቦትካ ደሪብካ ጽላልካ ሒዝካ ካብ ቤትካ ምውጻእ፤ ወይ ድማ ነቲ ቆጸራ ፈጺምካ ምስራዝ…ክልተ ምርጫ ኣሎካ፡፡

እቲ ዝናብ ብፍቓድካ ከቋርጽ ምግባር ግና ብፍጹም ኣይትኽእልን ኢኻ፡፡ “እዚ ተካል ዝናብ!” እናበልካ ምምራር ወይድማ ነቲ ጉዳይ ብ“ፍልስፍናዊ ዓይኒ” ብምርኣይ ካብ ዘየደሊ ሕበጥ ልቢ ምድሓን…እቲ ምርጫ ናባኻ ዝግደፍ እዩ፡፡

ንነግራት ብዓይኒ ፍልስፍና ምርኣይ ማለት ነቲ ክትልውጦ ዘይትኽእል ነገር ብጸጋ ምቕባል ማለት እዩ፡፡ እትውለደሉ ከባቢ፤ ዓሌት፤ ስነህይወታዊ ክውንነታት ወዘተ…ካብ ሕርያኻ ወጻኢ እዮም፡፡ እርጋን ዘይተርፍ ክውንነት እዩ፤  ክሳብ ዝነውሐት ትንዋሕ ህይወት በግዜ ዝተወሰነት እያ፡፡ እዚኦም ንፍቶ ንጽላእ ክህልዉ እዮም፡፡ ብጸጋ ካብ ምቕባልን መማቕርቲ እዛ ሓጻር መዋእልና ካብ ምግባርን ወጻኢ ምንም ምርጫ የብልናን፡፡

መዋእል ህይወት ወዲ ሰብ ብብዙሕ ክብታን ለጠቕታን ዝመልአ እዩ፡፡ እታ ጠላምን መሻረዊትን መዘውር ዕድል ሎሚ ምሳኻ ትውዓል እምበር ጽባሕ ምሳኻ ብዛዕባ ምሕዳራ ምንም ውሕስነት የብልካን፡፡ እዚ”ውን ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ እዩ፡፡ ንሓጎስን ጽቡቕ ዕድልን ንምቕባል ድሉው ካብ ኮንካ ነቲ ከወርደካ ዝኽእል ሕማቕ ዕድል ንምቕባል እውን ጸጋ ክህልወካ ይግባእ፡፡ ንሕማቕ ዕድል ብኸመይ ዝበለ ስምዒት ንቕበሎም ክንመርጽ ንኽእል ኢና፡፡ ስምዒታት ብርትዒ ናይ ምሕሳብ ጸጋና ዝጋርዱ ጎርቢ እዮም፤ ክዕብልሉና ክንፈቅድ ወይስ ርትዓዊ ልጓም ሒዝና ብጸጋ ክንነብር እቲ ምርጫ ሕጂ”ውን ማንም ክምንዝዓና ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ናጻን ሃብታምን ክንሱ ባርያ ስምዒቱ ኮይኑ ዝነብር ኣሎ፤ ኣብ ድቐድቕ ጸላም ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ብናጽነት ዝህሉ”ውን ኣሎ፡፡ ናጽነት ብመሰረቱ ኣብ ኣእምሮና እዩ ዘሎ፡፡ ብዛዕባ ዝወርደና ሕማቕ ዕድል ብኸመይ ንሓስብን ብኸመይ ንቕበሎን ናባና ዝግደፍ እዩ፡፡

ነዚ ብቐንዱ ካብ ሰቶይሲዝም ዝቕዳሕ ፍልስፍና ተግባራዊ ብምግባር ሓደ ኣመሪካዊ ወተሃደር ነቲ ዝጸንከረ ማእሰርቲን ባርባራዊ ምርመራን ብናጽነት ክሳገር ኣኽኢልዎ እዩ፡፡ እዚ ጄምሰ ስቶከዴል ዝተባህለ ወተሃደር ኣመሪካ ኣብ እዋን ኵናት ቬትናም ኣባል ሓይሊ ኣየር ኮይኑ እናገልገለ ብቬትናማውያን ተማረኸ፡፡ ነፋሪቱ ካብ ሰማይ ተሃሪማ ብጃንጥላ ናብ መሬት እንክወርድ ድማ ነቲ ክልውጦ ዘይክእል ዘበለ ኩሉ ብሓጎስ ብጸጋ ክቕበሎ ወሰነ፡፡ ስቶከዴል ኣብ ሼላ ተኣሲሩ ብዙሕ ኣካላዊ መቕጻዕቲ እናወረዶ ንኣርባዕተ ዓመታት ተሳቐየ፡፡ እንተኾነ “ነቲ ክትለውጦ ዘይትኽእል ብሓጎስ ብጸጋ ተቐበሎ” ዝብል መትከል እናሰላሰለ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡ ዓቒቡ ብህይወት ደሓነ፡፡ ህቡብ ፈላስፋ ፍረደሪክ ኒቸ “ዘይቀትለኒ ዘበለ የበርትዓኒ ስለዝኾነ፤ ስቓይን ሕማቕ ዕድልን ኣይደህጸንን እዩ” ይብል ነበረ፡፡

ቺቸሮ እተባህለ ጣልያናዊ ፈላስፋ “እርጋን” ኣብ እትብል ጽሕፍቱ ከምዚ ይብል፡፡ “እርጋን ኣርባዕተ ብድሆታት ሒዙ ይመጽእ፡፡ ጉልበት ይደክም፤ ኣካላዊ ባህታ ይቕህም፤ ሕማም ይበዝሕ፤ ምቕራብ ሕልፈት ከኣ ግሁድ ይኸውን፡፡ እርጋን ከተደንጉዮ ይከኣል ይኸውን”ዩ፤ ከተትርፎ ግና ፈጺምካ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ይኹን”ምበር ንእርጋን ብኸመይ ዝበለ ጸጋ ትቕበሎ ክትውስን ትኽእል ኢኻ፡፡ እርጋን ኮርምዩ ኣብ ዓራትን ጽሙው ገዛን ከትርፈካ፤ በቲ ደጊም ዘይትረኽቦ ናይ ቀደም ንእስነትካን ሓይልኻን እናቖዘምካ ወጊሑ ክዓርበካ፤ ወይ ዕድመ ዝሃበካ ተሞክሮ ኣብ ኮምዩኒቲኻ ብምክፋል ኣግዳሲ ኣበርክቶ ክትገብር፤ ታሪኽ ህይወትካ ብምጽሓፍ ኣብ ዔላ ታሪኽ ዘመንካ ሓደ መንጽር ዘርኢ ምጽሓፍ ክትደርስ፤ ወይ”ውን ኣድላዪ እዩ ዝበልካዮ መጽሓፍ ብምትርጓም ኣግዳሲ ክፋል ማሕበረሰብካ ኴንካ ምቕጻል፡፡ እቲ ምርጫ ናባኻ ዝግደፍ እዩ፡፡  

በዚ ፍልስፍና ሰቶይካውያን ዝተጠምዐት ደርፊ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ትዝክርዋዶ? “ዝወረደ ይውረድ ብዘየገድስ፡ ክኣትዎ እይ ኣነ—ኣትየ ክሕምብስ!”፡፡ ሰናይ ቅነ፡፡                     


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com