Wednesday , April 24 2024

ፍረድሪክሰን፡ ፍርያት ዴኒማርክ ዝኾነ ክታበት ክህሉ ትደሊ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴኒማርክ፡ መተ ፍረድሪክሰን፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ጀምራ፡ ዴኒማርክ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ክታበት ከተፍሪ ድሌት ከምዘለዋን ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ዴኒማርክ፡ ድሉው ዝኾነ ትሕተ ቅርጺ ከምዘለዋ ምስ ጨንፈር ሳይነሳዊ ሂወት፡ ኣብ ዝገበረቶ ምዝርራብ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ፍረድሪክሰን፡ ዝርዝር ናይቲ ክፈሪ ዝሕሰብ ክታበት’ኳ እንተ ዘይሓበረት፡ ልክዕ ከምተን ኩባንያታት ፋይዘርን ሞደርናን ዝተጠቀማሉ ኣብ ናይ mRNA ቴክርኖሎጂ ምርኩስ ብምግባር ዝፈሪ ክታበት ክኸውን እዩ ክትብል ሓቢራ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ኣርሁስ ዝሰርሑ ዴኒማርካውያን ሓካይም፡ ኣብ ገዛ ትጥቀመሉ ቅልጡፍ ናይ ኮሮና መመርመሪ መሳርሒ ከም ዘማዕበሉ ሎሚ ሰሉስ ሓቢሮም። እዚ ሓድሽ መሳርሒ፡ ኣድማዕነቱ፡ ከምቲ በዓል መዚ ጥዕና ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንመመርምሪ ኮሮና ዝጥቀመሉ ዘሎ ምኳኑ፡ ብመጽናዕቲ ከምዝተረጋገጸ ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com