Friday , March 29 2024
Pro Shots Photo Agency/TT

ፍራንክ ድዮን ናብ ክለብ ባርሳ ሃዛርድ ናብ ርያል ማድሪድ ይሰጋገሩ!

ብ ዓበይቲ ክለባት ፒኤስ ጂን ማንቸስተር ሲቲን ክህደን ዝጸንሐ ሆላንዳዊ  ኣከፋፋሊ ክለብ ኣያክስ ኣምስተር ዳም ፍራንክ ድዮን ብ 75 ኤውሮ ናብ ባርሰሎና ወዲኡ።

እዚ ኣከፋፋሊ ሲጋብ ክራማት ምስ ኣያክስ ብምጽናሕ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ስፖርት 2019/20 እዩ ምስ ክለብ ባርሰሎና ክጽንበር። እዚ ኣብ ኣካዳሚ ኣያክስ ዝፈርየ ተጻዋታይ ዘደንቅ ብቕዓት ምስ ክለቡ ብምንጽብራቑ እዩ የዕንቲ ዓብይቲ ክለባት ክስሕብ ዝኽኣለ።

ኣከፋፍሊ ክለብ ቸልሲ በልጂማዊ ኤደን ሃዛርድ ኣብ ክራማት ናብ ማድሪድ ከቕንዕ ምኻኑ ተሰማሚዑ። ማድሪድ ን ሃዛርድ ኣብ ዓመት 14.5 ሚልዮም ፓውንድ ብምኽፋል እያ ውልቃዊ ስምምዕ ውዲኦም ዘለዉ።

ማድሪድ ብተወሳኺ ን ሃዛርድ ላሊጋ ወይ ኮፓ ዲል ረይ ምስ ዘዕውታ ተወሳኺ 3 ሚልዪን ፓውንድ ሞቑሺሽ ክህልዎ እዩ።

ካልእ ማድሪድ ን ኣርጀንቲናዊ ኣጥቕዓይ ክለብ ጁቨንቱስ ዲፓላ ንምስግጋር 90 ሚልዮን ፓውንድ ብምስላዕ ማዕጾ ክለቡ ምኩሕኻሕ ጀሚራ ኣላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com