Wednesday , April 24 2024
ብናስሮቪች

ፍርሂ ብዓይኒ ፍልስፍና።

ብ ናስሮቪች

“ሓንበስቲ ብፍርሂ እንተዝእሰሩ ሉል ዝበሃል ክቡር ስልማት ኣይምሃለወናን” ሳዲ

ፍርሂ ካብቶም ፈጺሞም ዘይብሃጉ ስምዒታት እዩ፡፡ ይዂን”ምበር ፍርሂ ዝቕስቅሱ ፊልምታት ኣዝዮም ፍቱዋት ኣገባባት ምዝንጋዕ ካብ ዝኾኑ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም ኣለዉ፡፡ እዚ ምስ ግርምቢጥ ክጽብጸብ ዝኽእል ኵነት ሰለምንታይ ይኽሰት ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ብቐንዱ ንተመራመርቲ ሰነልቦና ዝግደፍ እዩ፡፡ ምናልባት ግና ማእከላይ ስርዓተ መትኒና ካብ ዘለዎ ሕሉፍ ባህጊ ምንቕቓሕ ዝብገስ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ስርዓተ-መትኒ ቃቔጣ ሸውሃቱ ከዕግብ ብኽንደይ ነገራት እሞ
ዘይነቓቓሕ? ሓደ ሓደ ሳዕ ብውሽጣዊ ነዝዒ ኣደርናሊን፤ ብከኒና፤ ወይ ብገለ መሰተን ዝብላዕን ነገራተ ወዘተ ሽውሃት ምንቕቓሑ የዐግስ እዩ፡፡ ከምዚ ዝበሉ ወሽጣዊን ግዳማዊን መነቓቕሒታት ልክዕ ከም መሪር ጕዕ፡ ኣዋዘ ወይ ሰናፍጭ ጌርካ ክውሰዱ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብባህርያዊ ኣገባብ እተሳእነ ሸውሃትን ክቱር ምስልኻይን “ሆሮር” ብዝስመዩ ዓሌት ፊልምታት ጌርካ ምሕጻብ እምበኣር ሓደ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ምንም ጉድኣት እውን የብሉን፡፡ ፍላስፋን ተጣባቒ ሰብኣውነትን ኤ.ሲ. ግረይሊንግ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣመልኪቱ ካብ ዘዳለዎ ጽሑፍ ጽማቑ ይስዕብ፡፡

እንተኾነ ግና ንምዘንጋዕ ኢልካ እትካፈሎ ፍርሂን ግሁድ ፍርሂን ዓቢ ፍልልይ ኣለዎም ፡፡ ሓቀኛ ፍርሂ ኣልማሲ፡ ቀንዲ ሓላኺ ገስጋስን ጻዕሪን እዩ፡፡ ፍርሂ ምስ ሓይልኻን ዕቑር ተኽእሎኻን እነሃሎኻ ድኹም ይገበረካ፡፡ ፍርሂ ኣብ ዘለዎ ቦታ ርእሰ ተኣማነንትን መሓውራትን ይእሰሩ፡፡ እቲ ጎልጎል ተሪር ዓቐበት፡ እቲ ለምለም ሸኻ ኸኣ ዘርዕድ ጸድፊን ኣራዊት ዝመልእዎን ኮይኑ ይረኣየካ፡፡ “ብፍርሂ እተወራ ኣዒንቲ ዘይርእያኦ ገባበልን ጭራቓትን የለዉን” ይብል ሰርቫነቴስ፡፡

ፍርሂ ምንም እወታዊ ገጽ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን፡፡ ምፍራህ ኣብ ፍልቀታዊ ጉዕዞ ወዲሰብ ዝነበሮ ተራ ሰነ-ህይወታውያን ብግቡእ ይግንዘብዎ እዮም፡፡ እቲ ሃዳናይን ማእራራይን ጥንታዊ ኣባሓጎና ኣብ መሮር ጣሕሸም እንክሰምዕ ፈሪሁ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ስለ ዝወሰደ ዘርኡ ክቐጽል ክኢሉ እዩ፡፡ ጠገለ ዘይብሉ ድፍረት ዕሽነት እዩ፡፡ ኣቦታትና “ፈራህ ነዲኡ ይኣትዋ” ዝበሉ ካብ ረበሓኡ ጕድኣቱ ንዝበዝሕ ዓሻ ድፍረት ንምቊንጻብ እዮም፡፡ ካብዚ ብዝተረፈ ግና፤ ንኻልእ ሰብ ክሳብ ዘይሃሰኻ፤ ቅኑዕ እዩ ኢልካ ኣብ ዝኣመነካሉ ህይወት ንምንባር ዕንቅፋት ከይኮነካ ክትፈርሆ ዘሎካ እንኮ ነገር “ፍርሂ” ን እንታይ ክይብሉኒን ጥራይ እዩ፡፡

ፍርሂ ምንጪ ተወሰኽቲ ማሕበራዊ ጸገማት እውን እዩ፡፡ ማሪት፤ ከይመርመርካ ምፍራድ፤ ዓሌትነት፤ ኣዕናዊ ሃገራውነት ቀንዲ ደቀመዛሙር ፍርሂ እየን፡፡ ፍርሂ ንኹሉ ሓድሽ ዘበለ ነገራት ከይመረመረት ብምንጻግ ኣብታ ብልይቲ ግና ውሕስቲ እትመስለካ ኩርናዕ ውሻጠኻ ከም እትነብር ትገበረካ፡፡ እቲ ጥንታዊ ሰብ ካብታ ውሕስቲ ገረብ ወሪዱ ኣብ ምድሪ ምስ ኣራዊትን ለመምታን እናተቓለስ ክሃድን ብትብዓት እንተዘይውስን እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስልጣነ ክሕሰብ ኣይምተኻእለን፡፡ ናይ ሰልጣነ መጀመርታ እምበኣር ፍርህኻ ምቁጽጻር እዩ፡፡ ፍርሂን ድንቊርናን መካይዲ እየን፤ እታ ሓንቲ እንተላ እታ ሓንቲ ክትስዕብ ባህርያዊ እዩ፡፡ ፍርሂ ሓደ ገዛኢ ውሽጣዊ ሰነመጎት ኣለዎ፡፡ መብዛሕትኡ እዋን እቲ እንፈርሆ ኴንና እንርከበሉ ምኽንያት ብግዛእ ፍርህና ተኣሲርና ካብቲ መከራ ክንሃድም ዓቕሚ ሰለ ዝውሕደና እዩ፡፡

ሞት ካብቶም ኣዝዮም ግኑናት ምንጪ ፍርሂ እዩ፡፡ ፈራህ ዓስርተ ሳዕ ተባዕ ግና ሓደ ግዜ ይሞቱ ዝብል ፍሉጥ ብሂል ኣሎ፡፡ ካብ ክልተ ደቒቕ ንዘይትነውሕ ቃንዛ ፒንሳ ፈሪሆም ኣዋርሕ ብቓንዛ ኵርምቲ ዝግዕሩ ኣጓነፎምኹምዶ ይፈልጡ? ሓደ ፍላስፋ ብዛዕባ ሞት ኣመልኪቱ “ብህይወት ኣብ ዘለኹሉ ግዜ ሞት የለን፤ ሞት ኣብ ዝህልወሉ ኸኣ ኣነ የለኹን” በምባል ንፍርሂ ሞት ኣባጨወሉ፡፡ ሰባት ካብ ሞት ዝፈርህሉ ቀንዲ ምኽንያት ንገዛእ ሞቶም ዝነብርዎ ጌሮም ስለ ዝሓስቡ እዩ፡፡ ግደ ሓቂ ሞት ዘኸፍአ ዕጫ ውዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ሕሱምን ኣሳቓዪን ዘይሓዊ ሕማም ብሞት እንክዛዘም ዕረፍቲ እዩ፡፡ ዝነብር ጥራይ እዩ ሓጎስ ይኹን ስቓይ ከስተማቕር ዝኽእል፡፡ ሞት ስቓይ ይኹን ሓጎስ ዘይብሉ ሕልሚ ኣልቦ ዘለኣለማዊ ድቃስ እዩ፡፡ ሰለዚ ድማ ሰብ ብዛዕባ ሞት ዘይኮነስ ኣገባብ ኣማውታኡ እዩ ከሕስቦ ዝግባእ፡፡ ዘይተርፍ ካብ ኮነሰ–ስቓይ ዘይብሉ ይግበረለይ ምባል ልቦና እዩ፡፡

ፍርሂ እንተዘይህሉ ትብዓት ኣይመደለየን፡፡ ካብ ፍርሂ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዘኾነ ሰብ ክህሉ እውን ዘይሕሰብ እዩ፡፡ “ተባዕ ዝበሃል ፍርሂ ዘይብሉ ዘይኮነስ ፍርሁ ንግዜኡ ውሕጥ ከብል ዝኸኣለ እዩ” ትብል ተጠቃሲት ብህሎ ኣመሪካዊ ፍራንክሊን ሩዝቬልት ነዚ ብግቡእ ትገልጽ ይመስለኒ፡፡ ህይወት ንዘለኣለም ኣይትደገምን እያ–ሓነሳብ ጥራይ ኢኻ እተነብር፡፡ ኣብ ግዜ ንእሰነትካ፤ ምስ ሓይልኻን ብልሕኻን ኩሉ ዕቑር ተኽእሎኻን እናሃሎኻ ሰኣን ፍርሂን ከይብሉኒን ካብ እተደልዮ ምትራፍ ንእዋን ሽምግልናኻ ማዕከን ጣዕሳ ምውህላል እዩ፡፡ ከምቲ ሳደ ዝበሎ “ሓንበስቲ ብፍርሂ እንተዝእሰሩ ሉል ዝበሃል ክቡር ስልማት ኣይምሃለወናን”!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com