Friday , April 19 2024
(AP Photo/Alex Brandon) MIAB109

ፍርያት ኣይስክሬም፡ ንኽምለስ ተሓቲቱ

ስያ (Sia) ዝዕላመቱ ኩባንያ ኣይስክሬም፡ ብሰንኪ ኣብ ትሽዓተ ካብ ፍርያታቱ ዝተረኽበ ኢታይሊን ኦክሳይድ ዝተባህለ ቀመም፡ ካብ ዕዳጋታት ክእክብ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብመሰረት ኩባንይ ስያ ኣይስክሬም፡ መጠን ናይቲ ኣብ ፍርያቱ ዝተረኽበ ቀመም ብጣዕሚ ውሑድ’ኳ እንተኾነ፡ ነቶም ናይ ለሚንን ማንጎን መቐረት ዘለዎም፡ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ሊትሮ መትሓዚ ዝሽየጡ ፍርያቱ፡ ካብ ምፍራይ ጠጠው ኣቢልዎም ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቶም ነዚ ፍርያት ዝዓድጉ ዓማዊል፡ ናብቲ ዝዓደጉሉ ዱኳናት ብምኻድ፡ ክመልስዎ ከምዝኽእሉ፡ እቲ ኩባንያ፡ ኣፍሊጡ።

ኢታይሊን ኦክሳይድ ዝተባህለ ቀመም፡ ሓደ ካብ ጠንቂ መንሽሮ ዝኾኑ ቀመማት ኮይኑ ኣብ መግቢ ክሕወስ ዘይግበኦ እዩ ክብል፡ ሃገራዊ ኤጀንሲ መግቢ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com