Thursday , March 28 2024

ፍቓድ ምምራሕ መኪና ከተውጽኡ ትሓስቡ እንተሊኹም ነዘን ዝስዕባ መምርሒታት ኣቕልቡለን።

– ብቑዕ ሞያ ምምህርና ምስ ዘለዎ ሰብ ስልጠና ውሰዱ። እዚ ናብ ማእክል መሰልጠኒ ምዝዋር መኪና ብምኻድ ወይውን ብውልቂ ክኢላ ሰብ ብምቚጻር ወኡውን ብኽልቲኡ ክግበር ይክኣል።

ናብ ማእክል መሰልጠኒ ምዝዋር መኪና ብምኻድ ወይውን ብውልቂ ክኢላ ሰብ ብምቚጻር ምልምማድ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ እዩ።

መምህርካ ኩሉ ምስ ምምራሕ መካይን ዝተሓሓዝ ነገራት ከም ዝምህረካ ግበር። ኣብታ ሾርኮርት ትበሃል በራሪት ወረቐት መምሃሪት ምምራሕ መኪና ዘሎ መርመራ ምምራሕ መካይን ብኣንክሮ ተኸታተሎ።

መሰረታውያን ባእታታት ምቊጽጻር መኪና እንታይ ዝበሉ እዮም ብተግባር ተለማመድ።

ንኣብነት ፍጥነት፡ ፍሬኖ፡ ምቊጽጻርን ምዝዋርን ገለ ካብዚኦም እዮም። ምዝዋር ብጽቡቕ እንተተማሂርካ ዝተፈላለያ ዓይነት መካይን ( እንተላይ ዓበይቲ መካይን ) ምምራሕ ክቐለካ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ዘለዎ ጽርግያ ከተማን ገጠርን ልምምድ ግበር። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘይትፍልጦ ቦታታት እናኽድካ ብምዝዋር ምስ ኲነታት ዝተፈላለየ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ተላለ። ካብዚ ብዙሕ ክትርባሕ ኢኻ።

ብዙሕ ግዜ ደጋጊምካ ተለማመድ። ብዝሒ ተሽከርከርቲ ወትሩ ስለዝቀያየር ደጋጊምካ ምልምማድ ብዙሕ ኣገዳሲ እዩ።

ልምምድ ውሑስ ዘዋር መኪና ኪገብረካ እዩ። ኣብ መዓልቲ መርመራ’ውን ምትእምማንካ ክብ ክብል እዩ። ኣብ ክልሰ-ሓሳባዊ ጒዳያት ምዝዋር መኪን’ውን ተለማመድ።

ክልሰ-ሓሳባዊ ፍልጥት ኣገዳሲ ክፋል ታዕሊም ምዝዋር ምኪና እዩ።ገንዘብካን ግዜኻን ንፉዕ ዘዋሪ መኪና ኣብ ምዃን ኣውዕሎ። ምምሃርካ ፈተና ንምሕላፍ ጥራይ ክኸውን የብሉን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com