Thursday , April 25 2024

ፑቲንን ሉፈንን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ሉፈንን ፕረሲደንር ሩስያ ቪላድሚር ፑቲንን ሰሉስ ግጽ ንገጽ ተራኺቦም።

እዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ ፒተርስበርግ ኣብ ዝካየድ ኣህጒራዊ ዋዕላ ኣርክቲክ ንምስታፍ እዮም ተራኺቦም።

ኣብዚ ኮንፈረንስ ዞባ ኣርክቲክ ዝዳወባ ሃገራት ኣብ ምዕባለታት እቲ ዞባ ክዛተዩ እዮም። ዝምድና ሩስያን ሽወደንን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ላሕሊሑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሽወደን ሩስያ ኣብ ጒዳይ ዩክሬይ ብዝነበራ ኣታሕዛ ከምኡውን ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ብተደጋጋሚ ክሊ ኣየር ሽወደን ብምጥሓሰን ክትወቕሳ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ትካል መጽናዕቲ ሩስያን ኣውሮጳን ተመራማሪ ዝኾነ ግሬጎሪ ሳይሞንስ እዚ ጒዳይ ንታሪኽ ሩስያን እቲ ከባቢን ኣብ ግምት ብምእታዉ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ከም ዝግብኦ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com