Saturday , April 20 2024

ፓሪስ ፈረንሳውያን ጂሃዳውያን ካብ ሶርያ ክምለሱ ክትፈቅድ እያ።

ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶርያ ተኸቲሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣብ ሶርያ ንእተሓየሩ ጂሃዳውያን ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ክፈቅድ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ”ሎ።

“ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዘሎ ወተሃደራዊ ኲነታት ምስ ምልዋጡን ውሳኔ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካን ስዒቡ እዞም ጂሃዳውያን ባእታታት ኣምሊጦም ናብ ብዙሕ ቦታታት ፋሕ ከይብሉ ብምባል ኢና ነዚ ንገብር ዘሎና” ክብል ንድርኺት እቲ ውሳነ ኣብሪህዎ’ሎ።

“ሓይልታት ፈረንሳ ናብ ፈረንሳይ እንተሰጒጎሞም ጒዳዮም ብሕጊ ክረአ እዩ” ብምባል ቃሉ ሂቡ’ሎ።

“ዳዕሽ ዝተጸንበሩ ጂሃዳውያን እቲ ዝጸንከረ ኣታሕዛ ሕጊ ይጽበዮም ኣሎ” ክብል እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹ።

ብምጥቕላል “እዞም ሰባት ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ሶርያ ዝነጥፍ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ ጒጅለ እተጸንበሩ እዮም።

ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ መጥቃዕቲ ዝገበሩን ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣትን እዛ ሃገር እዮም” ኢሉ’ሎ።

እዚ ፖለቲካዊ ርእይቶ ብሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ፈረንሳ ዓቢ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ’ሎ ክብል ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com