Saturday , April 20 2024
Henrik Montgomery/TT

ፓርላማ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምራጽ ድምጺ ክህብ እዩ

መራሒ ሶሻል ደሞክራት ስቴፋን ሎፍቨን ዝቕጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ይኹን ዶ ኣይኹን ንምውሳን ሓገግቲ ኣካላት ድምጺ ከም ዝህቡ ኣፈኛ እቲ ፓርላማ ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ፓርላማ ኣንድርያስ ኖርለን ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ (3 ታሕሳስ) ንሎፍቨን ብወግዒ ከም ሕጹይ ከቕርቦ እዩ። ኣብቲ ዕለት እቲ ሎፍቨን እውን ኣብቲ እንተተመሪጹ ዝምስርቶ መንግስቲ ነየኖት ሰልፍታት ከም ዘእቱ ነቲ ኣፈኛ ከፍልጦ ትጽቢት ይግበር።

ብድሕሪ’ዚ ሓገግቲ ኣካላት ንረቡዕ (5 ታሕሳስ) ኣብ ሕጹይነት ሎፍቨን ድምጺ ክህቡ እዮም። ድሕሪ ናይ መስከረም ምርጫ፡ ፓርላማ ነቲ ኣርባዕተ ዓመት መመላእታ ቀዳምይ ሚኒስተር ዝነበረ ሎፍቨን ብምርጫ ገሊፍዎ እዩ ጸኒሑ። ሕጂ ተመሊሱ ከም ሕጹይ ምቕራቡ ቁንቁኛኡ እንታይ ምዃኑ ብሩህ ኣይኮነን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com