Wednesday , April 24 2024
Fredrik Sandberg/TT

ፓስፖርት ሽወደን ምውጻእ ንኽልተ መዓልታት ደው ክብል ምኻኑ ተፈሊጡ።

ጥሪ 26ን 27 ፓስፖርት ሽወደን ምውጻእ ንግዚኡ ደው ከም ዝብል ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ።

እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ዘሎ ኣገባብ ክሳብ ብሓድሽ ዝትካእ እዩ።

ኣብዘን ዝተጠቕሳ ክልተ መዓልታት ዝተወድአ ፓስፖርት ወይ ወረቐት መንነት ምውሳድ ከም ዘይከኣል
ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብተን መዓልታት ፓስፖርት ምውጻእ ከም ዘይከኣል ወረቐት መንነቱ ወይ ፓስፖርቱ ዝረስዐ ወይ ዘጥፈአ እንተሎ ኸኣ ክሳብ መወዳእታ እታ ሰሙን ብትዕግስቲ ክጽበ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ዝኾነ ዜጋ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወይ ዩሮፕያን ኤኮኖሚክ ኤርያ ዝኾነ ሰብ ካርድ ወረቐት መንነቱ ክጥቀም ከም ዝኽእል ፖሊስ ኣዘኻኺሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com