Thursday , April 25 2024

ፓስፖርት ሽወደን ንምሕዳስ ነዊሕ ግዜ ይወስድ ኣሎ ተባሂሉ!!

 ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ሽወደን ፓስፖርት ንምውጻእ ዝህሉ ናይ መጸበዪ ግዜ ልዕሊ ሓደ ወርሒ በጺሑ’ሎ። ሽወደናዊ ፓስፖርቱ ግዚኡ ዝሓለፎ ሰብ ንምሕዳስ ብመርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ኣቢሉ ቈጸራ ክሕዝን ከመልክትን እዩ እቲ ዝጸንሕ ኣሰራርሓ። እንተኾነ ግና ኣብ ወርሓት ሓጋይ እዚ ሰልፊ ምሕዳስ ኣዝዩ ነዊሕ ከም ዝኸውን ፖሊስ ይሕብር።

ኣብ መብዛሕትኡ ቦታትታ ናይ መጸበዪ ግዜ ኣርባዕተ ሳምንቲ ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ግና ንውሕ ዝበለ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ማልም ንኣብነት ካብ 22 ሓምለ ጀሚሩ መመልከቲ ባዶ ቦታ ክህሉ እዩ። ኣብ ዮተበሪ ክሳብ ሰለስተ ሳምንቲ ምጽባይ ከም ዝህሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com