Friday , March 29 2024

ፓኪስታን. . .ቤተ መቕደስ ሂንዱ፡ ዓንዩ

ኣብ ከተማ ራዋልፒንዲ፡ ናዕበኛታት፡ ሚእቲ ዓመት ዘቚጸረ ቤተ መቕደስ ሂንዱ ኣዕንዮም ካብቲ ቦታ ምህዳሞም ፖሊስ ፓኪስታን ገሊጾም።

እቶም ናዕበኛታት፡ ብቀዳም መዓጹን ደረጃታትን እቲ ቤተ መቕደስ ምዕናዎምን እቲ ቤተ መቕደስ ክሳብ ዳግማይ ዝጽገን፡ ምእመናን ሂብዱ፡ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ክረኽቡ ተጸጊሞም ኣለዉ ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ መሓመድ ቶሲፍ ሳጂድ፡ ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ዕንወት፡ ህንዳውያን፡ ሕብርታት እናተገንጨቡ ዘኽብርዎ ዓመታዊ በዓል ሆሊ ምትእጒጓሉ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ፓኪስታን ኣመንቲ ምስልምናን ሂንዱን ተሳንዮም ከም ዝነብሩ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ መቕደስ ሂንዱ መጥቃዕቲ ክወርድ ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዛጊት፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል ከም ዘየሎ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com