Saturday , April 20 2024

ፓኪስታን ካብ ህንዲ ኣቕሑ ምሽማት ተፍቅድ

ሃገረ ፓኪስታን፡ ምስ ምምሕያሽ ዝምድናታታ፡ ናህሪ ዋጋታት ንምቊጽጻር ካብ ህንዲ ገለ ጥረ ነገራት ክትሽምት ምፍቃዳ ተገሊጹ።

በዚ መሰረት ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ተኣጊዱ ዝነበረ ሸመታ ሽኮር ምብራቕ ህንዲ፡ ክኣቱ ብምፍቃድ፡ ነቲ ኣዝዩ ዛሕቲሉ ዝነብረ ዝምድና ንምብርባር ድርኺት ፈጢራ ኣላ።

ፓኪስታን፡ 50 ሽሕ ቶን ሽኮር፡ ካብ ህንዲ ክትሽምት እያ ዝበለ ሚኒስተር ፋይናንስ ፓኪስታን፡ ሓማድ ኣዝሃር፡ ኣብ ህንዲ ዋጋ ሽኮር ካብ ናትና ኣዝዩ ስለዝሓስር ናህሪ ዕዳጋ ንምዕጋት ክሕግዘና እዩ ኢሉ። ኣብ ፓኪስታን እናዓበየ ዝመጸ ጠለብ ጡጥ ምህላዉን ነዚ ሃጓፍ ንምዕባስ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ሸመታ ጡጥ እውን ክካየድ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com