Saturday , April 20 2024
Former South African President Jacob Zuma, (AP Photo) XDF111

ፕረሲደንት ሳውዝ ኣፍሪካ ነበር: ጃኮብ ዙማ: ተፈሪዱ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሳውዝ ኣፍሪካ ንፕረሲደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ን 15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ፈሪዱ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ዙማ ፕረሲደንት እናህለወ ዝፈጸሞ ገበን ብልሽውና ንኽረአ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝተዋህቦ ጥርዓን ሸለል ብምባሉ እዩ።

ኣብ 2018 ስልጣኑ ዘብቅዐ ዙማ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ብዙሕ ኣዘራርራቢ ባህርያት ከም ዝነበርዎ ይፍለጥ።

ዳኛ ሲሲ ኻምፔረ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ዙማ ቈጸራ ቤትፍርዲ ዝየኽብር ምዃኑ ከይኣክል ዘረባኡ እውን እሩም ብዘይምዃኑ ናብዚ ውሳነ ምብጽሓ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com