Friday , April 19 2024
Speaker of the Riksdag Andreas Norlén Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ፕረዚደትን ባይቶ ሽወደን፡ ምስ ሓለፍቲ ሰልፍታት፡ ክዛራረብ እዩ

ትማሊ ረቡዕ፡ ሰልፊ ሚልዮፓርትየት፡ ካብቲ መንግስቲ ንምቛም ተመስሪቱ ዝነበረ ልፍንቲ ድሕሪ ምውጽኡ፡ መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትናን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ኮይና ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ዝተመርጸት፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፡ ካብ መዝነት ሚኒስትርነት ንኽትወርድ፡ ሕቶ ስለዘቕረበት፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምምራጽ ሓላፍነት፡ ኣብ ኢድ ፕረዚደንት ባይቶ ሽወደን ኮይኑ ከምዘሎ ሕጊ ሽወደን ይገልጽ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ፕረዚደትን ባይቶ ሽወደን፡ ኣንድርያስ ኖርለን፡ ሎሚ ሓሙስ፡ ምስ ወከልቲ ሸሞንቲአን ሰልፍታት፡ ክዛራረብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ንኣሰራርዓ መደባቱ ብዝምልከት ግን ዝተረኽበ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፡ ምስ ኩሎም መራሕቲ ሰልፍታት ግን፡ ከምቲ ልሙድ ዝኾነ ኣገባብ፡ ብኣካል ከምዘይራኸብ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምስ ኩሎም ወክልቲ ዘካይዶ ርክቡ ምስ ፈጸመ፡ ኣንድርያስ ኖርለን፡ ብዛዕባ ዝቕጽል መስርሕ ኣመልኪቱ፡ መብርሂ ክህብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com