Saturday , April 20 2024
Andreas Norlén Foto: Stina Stjernkvist / TT kod 11610

ፕረዚደንት ባይቶ ሽወደን፡ ድሕሪ ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ምርኻቡ፡ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ

ፕረዚደንት ባይቶ ሽወደን፡ ኣንድርያስ ኖርለን፡ ድሕሪ ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ዘካየዶ ርክብ፡ ብዛዕባ ምንታይ ከምዝተዛረቡን ንናይ መጻኢ ኣንፈት እቲ ርክብ ኣመልኪቱ  ቀዳማይ ክፋሊመግለጺ ከምዝሃበ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኖርለን፡ ንሓደ ካብቶም ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር  ሽወደን ሕጹያት ዝኾኑ ስቴፋን ሎቪን ወይ ኡልፍ ክሪስተርሶን፡ ናይ ምምርማር ዕዮ ዕድል ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ሕጹይ፡ ባይቶ ሽወደን ዝቕበሎ ሓድሽ መንግስቲ ንኸቕውም ናይ ምምርማር ዕድል  ክወሃቦ እዩ።

ከምቲ ኣብ ዓመተ 2018 ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምርጫ መስርሕ: ኣብ ባይቶ ሽወደን ዘሎ ብዝሒ መንበር ፡ ብማዕረ ዝተመቓረሐ እዩ።

መስርሕ ምቛም መንግስቲ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ፡ ነዊሕ ግዜ ኣይክወስድን እዩ ክብል፡ ኣቶ ኖርለን፡ ተመባጺዑ። ሓደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝበቅዕ ሕጹይ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝካየድ መስርሕ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ግዜያት ክሰልጥ እንተዘይካኢሉ፡ ሽወደን፡ ናብ ተወሳኺ ምርጫ ክተምርሕ ምዃና ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com