Thursday , April 25 2024
Los Angeles Fire Department Chief Ralph Terrazas gives a vaccine shot to Arsenio Hall (Gina Ferazzi/Los Angeles Times via AP, Pool) CALOS334

ፕረዚደንት ባይደን፡ ምስ ዢ ጂንፒን ተዘራሪቡ

ፕረዚደን ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ምስ መዘንኡ መራሒ ሃገረ ቻይና፡ ዢ ጂንፒን፡ ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ፡ ን90 ደቓይቕ ዝኣክል ብተሌፎን ዝርርብ ከምዝገበሩ ንጸብጻብ U.S. times ምርኩስ ብምግባር፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ቁጠባዊ ጉዳያት፡ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጥን ለበዳ ኮሮናን ካልእ ኣርእስታት ከምዝተላዕሉ ተሓቢሩ። ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ዘሎ ናይ ምውድዳር መንፈስ ድማ ናብ ዝለዓለ ወጥሪ ከይሰጋገር ብሓባር ክሰርሓሉ ከምዘለወን ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ከም ዝተላዕለን እቲ ርክብ ድማ ህዱእ ከምዝነበረን ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።

ንፖሊሲታት ቻይናን ኣሜሪካን ኣመልኪቱ፡ ዥ ጂንፒን፡ ንዝምድናታተን ዓቢ ጸገም ካብ ዝኾኑ ጉዳያት እዩም ክብል ጸቒጡ ከምዝተዛረበሉን፡ እቲ ርክብ ድማ ዓሚቕን ግሉጽነት ዝነበሮን እዩ ክትብል ቻይና ገሊጻቶ።

ፕረዚደን ጆ ባይደን፡ ስልጣን ካብ ዝርከብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ንመበል ካልኣይ ግዜ እዮም፡ ትማሊ ብተሌፎን ዝዛራረቡ ዘለዉ። እታ ቀዳመይቲ እዋን፡ ኣብ ወርሒ የካቲት ከምዝነበርት ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com