Thursday , March 28 2024
Johan Nilsson/TT

ፕሮቲን ትሕዝቶ ዘሎዎ ክትባት ተዳልዩ ከምዘሎ ተሓቢሩ

እቶም ገና ኣንጻር COVID-19 ኽኽተቡ ዘይከኣሉ ሰባት ነቲ ብልምዲ ዝማዕበለ ኖቫክሶ ቪድ ዝበሃል ክትባት ክወሃቦም ከም እተሓበረ ራዲዮ ፍልጠት ዝተባህለ ማዕከን ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ።

ኣብ ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓላፊ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ኣንደሽ ተግኔል እቲ ብባህላዊ መገዲ ዝተሰርሐ ኮይኑ ዝኾነ ጸገም ከምዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝደንቕ ክታበት ኢዩ ብምባል ሞያዊ ትንታነ ሂቡሉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክታበት ንምዉሳድ ዝጠራጠሩ፣ ዝኣብዩን ሰባት ካልእ ኣማራጺ ንምሃብ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ነቲ ማዕከን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣነጺሩ ኣሎ።

በዚ መሰረት ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ነቶም ድሮ ኽልተ እብረ ናይቲ MRN በቲ ዝጀመርዎ ሳልሳይ ክታበት ክወስዱ ከምዘሎዎምን፣ ብኣንጻሩ ነቶም ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት ግን፣ እዚ ሓድሽ ብመገዲ ፕሮቲን ንጥረ ነገር ዝተሰርሐ ክታበት ኖቫክሶ ቪድ  ክወስዱ ከም ኣማራጺ ክቐርበሎም ምኽሪ ኣማሓላሊፉ ከምዘሎ ይንገር።

ክኢላታት ከምዝሕብርዎ እዚ ፕሮቲን መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ኖቫክሶቪድ ክታበት ንታሓሕዛን ሎጊስቲክ ይኹን ካል ጉዳያት እዉን ዝቐለለ ምዃኑ ይዝረብ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com