Thursday , April 25 2024
Alessia Pierdomenico/TT

ፕሮዲጂ ፍሊንት ኪዝ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ዓሪፉ።

ህቡብ እንግሊዛዊ ደራፋይ ሙዚቀኛን ሳዕሳዓይን ጒጅለ ሙዚቃ ፕሮዲጂ ፍሊንት ኪዝ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ዓሪፉ።

ንሱ ኣብ ዱንሞ ኤሴክስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

እቶም ግንቦት ንሙዚቃዊ ዑድት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸዱ ዝዳለዉ ዝነበሩ መሳርሕቱ ብሞት ኪዝ ምሕዛኖም ብምግላጽ” ዓቢ መሃዛይን ኣውራን ኣርቲስቲ ኢና ከሲርና” ኢሎም።

መሳርሕቱ ሊያም ሆውሌት ኣብ ወግዓዊ ኢንስታግራም ፕሮዲጂ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ” ንምእማኑ ዘሸግር እኳ እንተኾነ ቀዳመ ሰንበት እዩ ኪዝ ንፍሰ ቕትለት ፈጺሙ ኢሉ”።

ብዙሓት ፈተውቱ ሓዘኖም ብትዊተር ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com