Thursday , April 25 2024
Bild: Per Leino

ፕሮጀክት “ምውህሃድ ብስራሕ” ንኤርትራዊ ዓሊ ዓብዱ ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥረሉ።

ፕሮጀክት “ምውህሃድ ብስራሕ” ብምትሕብባር ዞባ Gotland ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ሽቕለትን ዝምራሕ ኮይኑ ንሰለስተ ዓመታት ቀጺሉ’ሎ።

ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ንዕድላት ስራሕ ሓደስቲ መጻእቲ ንምድንፋዕ ኮይኑ ጎድኒ ጎድኑ ድማ ኣስራሕቲ ትካላት ብዙሕነት ከአንግዳን ነዚ ከም ሃብቲ ክርእያኦን ዕድል ምኽፋት’ዩ።

ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ 69 ሰባት ኣብዚ ፕሮጀክት ተሳቲፎም ኣለዉ።

Bild: Per Leino

እዞም ተሳተፍቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክንክን ኣዛውንቲ፡ መዓልታዊ ንጥፈትን ብምስታፍ ሞያዊ ምልከት ሽወደንኛ ኣሳሊጦም ኣለዉ።

እዞም ሰልጠንቲ ብመምሃራን ዝተሓገዙ ኮይኖም ተወከልቲ ኣገልግሎት ምውህሃድ ኣብቲ ንጥፈት ተረኺቦም ኔሮም።

ድሕሪዚ ፕሮጀክት 49 ካብዞም 69 ሰልጠንቲ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ ብርክት ዝበሉ ድማ ኣብቲ ማእከል ክንክን ናይ ተልመዴነት ቦታ ኣውሒሶም ኣለዉ።

ብዙሓት ካብዚኣቶም ጎድኑ ጎድኑ ናይ ጥዕና ትምህርቲ ይከታተሉ ምህላዎም ተፈሊጡ። ዓሊ ዓብዱ መበቈሉ ካብ ኤርትራ እዩ።

ምስኡ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢላ ዘላ Gunhild Melin ካብ Hemse እያ። ክልቲኣቶም ሕጉስ ናይ ስራሕ ግዜ የሕልፉ ዘለዉ ይመስሉ።

Bild: Per Leino

ኣብ ቀረባ ዓመታት Iliansgarden ንብዙሓት ሞያ ክንክን ጥዕና ክፍትኑ ዝደልዩ ሓደስቲ መጻእተኛታት ናይ መለማመዲ ቦታ ብምዃን የገልገል ኣሎ።

Gunhild ኣብዚ ምስራሕ ብቐሊሉ ዘይግመት ዕድል እዩ ብምባል ትዛረብ። “ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ። ኩልና ናይ ሓባር ነገራት ኣሎና። ክትዘራረብ ምስ ጀመርካ ንኹሉ ኣብዚ ዘሎ ኢኻ ትፈትዎ” ትብል Gunhild።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት Region Gotland ነዚ” ምውህሃድ ኣብ ስራሕ” ዝብል ፕሮጀክት ክዛዝሞ እዩ። እዚ ፕሮጀክት ዕላምኡ ንዕድላት ስራሕ ሓደስቲ መጻእቲ ንምድንፋዕ እዩ። ዛጊት ከኣ ብጽቡቕ ይስጒም ኣሎ።

ዓብዱ ዓሊ ዝርከቦም 70 ሚእታዊት ካብዞም ተሳተፍቲ ኣብቲ ክንክን ምስራሕ ይቕጽሉ’ለዉ። ኣብ ኤርትራ ዓብዱ ኤኮኖሚክስ እዩ ተማሂሩ።

Bild: Per Leino |

ነተን ሕማም ሽኮርያ እተጠቕዓ እኖኡ”ውን ይኣሊ ኔሩ። ስለዚ ድማ ኣብ ክንክን ጥዕና ምስራሕ ንዕኡ ካብ ልምዱ ብዙሕ ዘርሕቖ ኣይነበረን።

ድሕሪዚ ፕሮጀክት ናይ ሕክምና ትምህርቲ ጀሚሩ’ሎ። ነርስ ናይ ምዃን ባህጊ”ውን ኣለዎ። ኣብ iliansgarden ቋንቋ ሽወደንን ምኽሻን ሽወደናዊ መግብን ተማሂረ ይብል።

“ሕጂ ቅልሰይ ምስ ላህጃ እቲ ቋንቋ እዩ ዘሎ። ግና ብዙሕ እስጒም ከም ዘሎኹ እፈልጥ እየ” ይብል ዓብዱ እናሰሓቐ።

Bild: Per Leino

ኣብ Iliansgarden ወኪል ዝኾነ Ellvy Nilsson ከምኡ’ውን መምህር ዓብዱ ዝኾነት Maria Lundgerg” ዓብዱ ነዚ ሞያ ዝኸውን ተውህቦን ዝንባለን ኣለዎ” ይብሉ። ዓብዱ ኣብ ስርሑን መንበሪኡን ፍቱው እዩ።

ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት እውን ኣብ ኣዛውንቲ ፍሉይ ኣኽብሮ የርእዩ እዮም። እዞም ኣዛውንቲ ነዚ ጽቡቕ ጌሮም ይርድእዎ እዮም” ትብል Ellvy Nilsson።

እዚ ማለት ግና ኩሉ ነገር ብዘይ ተቓውሞ ኣይሓለፈን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ፈለማ ኣድማ ዓይነት ምንቅስቓስ ኔሩ። ደሓር ግና ከመይ ዝበሉ ብሉጻት ሰብ ዘፍሪ ምዃኑ ምስ ረኣዩ ኣቋሪጾሞ።

እዚ ፕሮጀክት ብዙሕ ኣድማዒን ውጺታውን ምዃኑ Agnethe Naslund ሓላፊ Iliansgarden ይምስክረሉ።

“ሓደስቲ መጻእቲ ብኸምዚ ኣገባብ ክወሃሃዱ ምግባር ዝድገፍ እዩ። ሞያ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ባህሊን ቋንቋን ህዝቢ ሽወደን እውን ዝመሃሩሉ ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ።

ነዚ ዕድል ምፍታዎም ደስ እዩ ዝብለና፥ ምኽንያቱ ንሕና’ውን ዝሰልጠነ ዓቕሚ ሰብ የድልየና እዩ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com