Friday , April 19 2024

ፖለቲከኛ ነበር ኣብ ቤታ ዘለዉ 15 ሽሕ መጻሕፍቲ ዝሕዝ ካልእ ቤት ተናዲ።

ኣፈኛ ባይቶን ፖለቲከኛ ሽወደን ነበርን ሚኒስተር ብርጊታ ዳህል ሸውዓተ ዝኽፍሉ ቤታን ክሽነኣን ብመጻሕፍቲ መሊኡ ዳርጋ ቤትንባብ ከም እተቐየረን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ’ላ። ንሳ ምንባብ ኣገዳሲ ክፋል ህይወታ ምዃንህን ኣብ ዝኸደቶ ቦታ መጽሓፍ ናይ ምምላእ ልምዲ ከም ዘለዋን ብምግላጽ ፈጺሙ ዘየሰልኪ ነገር እንተሎ ምንባብ እዩ ኢላ። ንሳ መጻሕፍታ ክወስድ ዝደሊ ትካል ይዂን ቤተ መጻሕፍቲ እንተሎ ተረባሒ ክትገብሮ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com