Thursday , April 25 2024
ብናስሮቪች

ፖለቲካን ፍልስፍናን ቀዳማይ ክፋል ብናስሮቪች

ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ ክበሃል ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ኣሎና፡፡ እዚ ማለት ሰብ ንበይኑ ተነጺሉ ህላዌኡ ከውሕስን ክሰርርን ኣይክእልን እዩ ማለት እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ሰብ ስሱዕን ንውልቀይ ብሃሊን እውን እዩ፡፡ ነዚ ክልተ ተጻራሪ ባህርያት ጸይሩ እዩ ዝነብር፡፡ብዘይ ካልኦት ሰባት ክነብር ኣይኽእልን፤ ይኹን”ምበር ንስለ ካልኦት ብምባል ውልቃዊ ባህጉን ሸውሃቱን ክጥንጥን እውን ፍቓደኛ ኣይኸውንን፡፡ እዚ መስረታዊ ባህሪ ወዲሰብ እዩ፡፡

ኣድላይነት ፖለቲካ ካብዚ እዩ ዝብገስ፡፡ “ተጻራሪ ረብሓታት ክህልወና ይኽእል እዩ፤ ግና ናብ ጎነጽ ዘእቱ የብልናን፡፡ ኣብ ክንዲ ጸዓትና ኣብ ጎነጽን ዘየድሊ ጽርዲን ዝሃልኽ ንረብሓ ኵልና ብዝውዕል መንገዲ ነሕብሮ፡፡

ካብ ፍርሂ፤ ኲናትን ባርባራውነትን ወጺእና ብጭውነት ንንበር” ዝብል ስልጡን ሓሳባት እዩ ን ፖለቲካ ወሊዱ፡፡መንግስቲ ዝቐውም እምበኣር ነዚ ሁልቊ-መሳፍርቲ ዘይብሉ፤ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ረብሓታት እኩባት ውልቀሰባት (ህዝቢ) ብሕጊ ንምምሕዳር እዩ፡፡

ሰባት ብውልቃዊ ባህጎም እዮም ዝድረኹ፤ ፖለቲካ ግና ናይ ሓባር መድረኽ ይፈጥረሎም፡፡ ኣብ ክንዲ ብዕሙት ደመ-ነፍሲን ባህሪያዊ ድፍኢትን ብምዕቡል ባህሊን ስልጣነን ንኽዓስሉ ናይ ሓባር ባይታ የጣጥሓሎም፡፡ ፖለቲካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝስራሕ ህያው ታሪኽ እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ቊምነገር ፖለቲካ እምበኣር እዚ እዩ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት የብለይን ዝብለካ ሰብ እንተረኺብካ ኣብ ምንም ነገር ተገዳስነትከም ከም ዘይብሉ ጌርካ ውሰዶ፡፡ ምኽንያቱ ካብ መቓን ፖለቲካ ወጻኢ ዝኽሰት ምንም ነገር የለን፡፡ ካብ ዋጋ ባኒ ክሳብ ብከላ ኣየር ኵሎም ፖለቲካዊ ዛዕባታት እዮም፡፡

ፖለቲካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝስራሕ ህያው ታሪኽ እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ቊምነገር ፖለቲካ እምበኣር እዚ እዩ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት የብለይን ዝብለካ ሰብ እንተረኺብካ ኣብ ምንም ነገር ተገዳስነትከም ከም ዘይብሉ ጌርካ ውሰዶ፡፡ ምኽንያቱ ካብ መቓን ፖለቲካ ወጻኢ ዝኽሰት ምንም ነገር የለን፡፡ ካብ ዋጋ ባኒ ክሳብ ብከላ ኣየር ኵሎም ፖለቲካዊ ዛዕባታት እዮም፡፡

ፖለቲካ ንዘሎካ ፍልልያት ብምጽውዋር ብሓባር እትነብረሉ ጥበብ እዩ፡፡ እቲ ዘቐውም መንግስቲ ስልጣኑ ካባኻን ካልኦት ሚልዮናት ከማኻን እዩ ተረኪበዎ፡፡ ስለዚ ድማ ነቲ ንረብሓ ኵልኹም ዘገልግል ሕጊ ከፈጽምን ክከላኸልን እንተዘይኮይኑ ካልእ ሓለፋ ክህልዎ ኣይክእልን፡፡ ነዚ ዝጥሕስ መንግስቲ ዝኣተዎ ቃልኪዳን ስለዘይሓለወ ይዕሎ፤ ብኻልእ መንግስቲ ድማ ይትካእ፡፡ እዚ ንቡር መስርሕ ፖለቲካዊ ህይወት እዩ፡፡ ብዘይ ፖለቲካ ዝህሉ ህይወት ግና ብዘይመለሳ ዘይውዳእ ኵናትን ሕጊ ጫካን እዩ፡፡ ፖለቲካ እምበኣር ምኽታም ኵናትን መጀመርታ ስልጣነን እዩ፡፡

ፖለቲካን ስልጣንን ኣይነጻጸላን እየን፡፡ ሕጊ ዘውጽእን ዝእዝዝን ዘሎ መን እዩ? ስልጣን ብቐንዱ ናይ መን እዩ? ናይ ሃጸይ? ናይ ውልቀመላኺ? ወይስ ናይ ህዝቢ? እዚ ድዩ እቲ ብዘየገድስ እቲ ዝገዝኣና ስልጣን ይፈላለ እዩ፡፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣጸቢቑ ሰረት ዘማዕበለ ህዝባዊ ስርዓት ኣሎ፡፡ ምዕቡል ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዘይብለንን ምስ ውልቀ-ምልኪ እናተቘራቖሳ ዝነብራ እውን ኣለዋ፡፡ ንመን ክንግዛእ ከም ዘሎና ክንመርጽ ብእኩብ ናባና ዝግደፍ መሰል እዩ፡፡ እዚ ድማ”ዩ ንፖለቲካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ማሕበራዊ ህይወትና ዝገብሮ፡፡

ፖለቲካ ብቐንዱ ናይ ዘይሰማምዑ፤ ዝጋጨዉን ዝቃረኑን ሓሳባት ዓውዲ ኩናት እዩ፡፡ ምሉእ ብምሉእ እንተንሰማማዕ እሞ ፖለቲካ ኣይመድለየናን፡፡ ምሉእ ብምሉእ ተጓኒኻ በብውልቅኻ ምኻድ ማለት”ውን ኣይኮነን፡፡ ፖለቲካ ምስ ፍልልያትናን ዘይዕረቑ ዝመስሉ ሓሳባትናን ናብ ሓደ ዓውዲ የቕርበና፤ ብኣዝዩ ስልጡን ኣገባብ ከኣ የቃልሰና፡፡ ተሟጕቱ እተዓወተ ይስዕር እሞ ናይ መሪሕነት ስልጣን ይርከብ፡፡ እቲ ዘተሳዕረ ሰነ-ሓሳቡ ብዝበለጸ ቃንዩ ንዘመጽእ ፖለቲካዊ ግጥም ይዳሎ፡፡ ፖለቲካ ዘይውዳእ ደም-ኣልቦ ቅልስ እዩ፡፡ ካብ ደምበ ሰላማዊ ውድድር ወጻኢ ዝግበር ጎነጽን ዓመጽን ግና ምስ ፖለቲካ ዘራኽብ የብሉን፡፡ ፖለቲካ እቲ ዘሰልጠነ ኣገባብ መፍትሒ ግርጭታት እዩ፡፡  ሕጊ-ጫካን መጎተ ሓይሊን ፖለቲካ ኣይኮነን፡፡

ጎነጽ ደግሲ ቅድመ-ፖለቲካዊ ህይወት ወዲ ሰብ እዩ፡፡ ሰብ ብሕጊ ጫካ ሰኪሑ ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምስግጋሩ እቲ ዝሓየለ ድላዩ ዝገብረሉ፤ ባርባራውነት፤ ሕነ-ምፍዳይን ጎነጽን ዝመልኦ ኣዝዩ ሕሱም ህይወት እዩ ዝመርሕ ኔሩ፡፡ ፖለቲካ ነዚ ብምሉኡ ይጻረር፡፡ ኣብ ክንዲ ጸብደል ጉልበት ጸብደል ሓሳባት የቐድመ፡፡ ሓሳባት ብሓሳባት ይበልሑ፤ ዘበለጸ ሓሳባት ከኣ ይወልዱ፡፡ ሓቀኛ ፖለቲካ ኣብ ዝነገስሉ ስርዓት ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሽት እያ ትኸውን፡፡ ስልጣነ ይውነን፡፡ ሰብ ምስ ሰቡ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ባህሪ”ውን ተሳንዩ ዝነብረሉ ኩነታት ድማ ይፈጥር፡፡ ስልጡን ፖለቲካዊ ምሕደራን ኩለንትናዊ ብልጽግና ወዲ ሰብን ዘይነጻጸሉ ኩንታት እዮም፡፡ እቲ ሓደ እንተዘይሎ እቲ ካልእ ክህሉ ዘበት እዩ፡፡

ብመሰርቱ ፖለቲካ ኣብ ዙርያ ክልተ ሕቶታት ይዝምቢ፡፡ ብኸመይ ብሓባር ንነብር? ብሓባር ናይ ምንባርና ዕላማ”ኸ እንታይ እዩ? ዝብላ እየን፡፡ ሃገርነት ንወርቃውያን ሸቶታት መጋበርያ ንኽኸውን እዩ ዝፍጠር እምበር ባዕሉ ንባዕሉ ናይ መውዳእታ ሸቶ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡፡ ሃገር ትፈጥርን ትዕቅብን ንስለ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ርሁው መጻኢን እምበር “ዋና መሬት ኮይነ”፤ “ናይ ዓደይ ፓሰፖርት ሒዘ” ንዝብል ኣዝዩ መባእታዊን ርካሽን ድሌት ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ብዙሕ እዋናት ዘይግቡእ ኣምልኾ ሃገርነት ኣብ መንገዲ ሓቀኛ ዕዮ ፖለቲካ ዕንቅፋት ይኸውን እዩ፡፡ ሃገር ብሰናይ ድሌት ዜጋታት ንፖለቲካዊ ዕላማ ዝቖመ ትካል ኣብ ክንዲ ዝኸውን ትርጉሙ ምሉእ ብምሉእ ትዝሪጉ ናብ ርካሽ ኣምልኾ ይቕየር እሞ እቶም ቀንዲ ተግባራት ፖለቲካ (ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ማዕርነት፡ ራህዋ፤ ልምዓት፤ ድሕነት..) ግዳያት ይኾኑ፡፡ እታ ሃገር ኣብ ክንዲ ንሰብኣውነት እተገልግል በግምጥልሹ ወዲሰብ ንሃገር ዝበሃል ውልቀመለኽቲ ዝፈጥርዎ ጣኦት ከም ዘምልኽ ይግበር፡፡

                                                                              (ካልኣይ ክፋል ይቕጽል)፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com