Friday , March 29 2024

ፖለቲካዊ ትርጉም ዝተዋህቦ ሞት ዶናልድ ትራምፕ ዝስሙ ኸልቢ

ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚነሶታ (ኣሜሪካ) ሓደ ብስም ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝጽዋዕ ከልቢ ብጥይት ተቐቲሉ ድሕሪ ምሟቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ምዝልላፍን ምፍርራሕን ክዘዉር ከም ዝቐነየ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ናይቲ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመሉ ኣውራጃ ጃክሰን (Jackson County) ይሕብር።

እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣስዒቡ፡ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ ከልቢ ዝቐተለ ውልቀሰብ፡ “ጥሪቱ ንምድሓን” ነቲ ተግባር ከም ዝፈጸሞ ገሊጹ።

ይዂን እምበር መንነት እቲ ቀታሊ ዛጊት ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ዋና እቲ ኸልቢ ዝኾነ ወዲ 59 ዓመት ራንዳል ቶም ሓያል ደጋፊ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ትራምፕ ኣብ ዘካየዶም 45 ናይ ደገፍ ኣኼባታት ዝተሳተፈ ሰብ እዩ።

ነቲ ኸልቢ ብስም ዝፈትዎ መራሒ ዝሰመየሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኸልቢ ኣብቲ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸሉ ዓመተ 2016 ስለዝተወልደ ምዃኑ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣኼባታት ኣብ ስእሊ ናይቲ ብስሙ ዝጽዋዕ ከልቢ ፌርማኡ ኣንቢሩ ምንባሩ እውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ እቲ ነቲ ኸልቢ ዝቐተሎ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ከም ዝኾነን ነቲ ኸልቢ ብሰንኪ ስሙ ጽልኣት ኣሕዲሩ ከም ዝቐተሎን ዝሕብር ጽሑፋት ብምዝርጋሕ እዚ ዘይበሃል ታዕታዕ ከም ዘልዓሉ እዩ ተገሊጹ።

ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ዝኣመንዎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ብስምዒት ተለዓዒሎም ሕነ ከም ዝፈድዩ ክገልጹ ምስ ጀመሩ እቲ ጉዳይ ሰማይ ዓሪጉ።

ዋና ናይቲ ዝተቐትለ ከልቢ ግና በቲ ፍጻመ ልቡ ከም ዝተሰብረ ብምግላጽ እቲ ከልቢ ብፖለቲካዊ ምኽንያት እዩ ተቐቲሉ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

እቲ ኸልቢ ብዘይ ቀይዲ እናተፈነወ እንስሳታት ይቐትልን ሰባት የጥቅዕን ኣሎ ዝብል መረረ ብተደጋጋሚ ክስማዕ ከም ዝጸንሐ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com