Friday , March 29 2024

ፖሊስን ምምሕዳርን ማልሞ እሱራት ናብ ዴንማርክ ንስልጠና ክልእኩ ይደልዩ።

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ብዙሓት ትካላት እንተላይ ፖሊስን ምምሕዳር ከተማ ማልሞን ብዛዕባ እቲ ዕድል ንምዕዛብ ነቲ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ማእከል ትምህርቲ Tamo ምብጽሖም ጸብጺባ’ላ።

Tamo ነቶም ካብ ዕዳጋ ሽቅለት ኣጸቢቖም ዝረሓቑ ማእከል ሽቕለትን ስልጠናን እያ። እቲ ማእከል ንኣብነት ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ሰርቲፊኬት ንዘይብሎም እሱራትን የጠቓልል እዩ።

እዚ ማእከል ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ከምእኒ ሓጺን ህንጻን ምኽሻንን ስለጠና ክህብ ክፍቀደሉ እዩ። ኣብ ግዜ ስልጠና ሰልጠንቲ ጽቡቕ ደሞዝ ክግበረሎም እዩ። ትምህርቶም እንተወዲኦም ከኣ ናይ ስራሕ ውሕስነት ክወሃቦም እዩ።

ከምዚ ዝበለ ዕድል ዛጊት ኣብ ሽወደን የሎን “እቲ ዝዓበየ ብድሆ ከመየ ጌርካ እሱራት ናብ ስራሕ ተዋፍር፡ ገዛ ትህብ ከምኡ’ውን ሓገዝ ዝረኽቡሉ ሰርቲፊኬት ምሃብ እዩ።” ክትብል በዓልቲመዚ ፖሊስ ማልም Susan Goosenuis ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com