Thursday , March 28 2024
(R.Priebe/Pr-Video/dpa via AP) DSOB102

ፖሊስ፡ ባርዕ ትራልሃታን ገበነኛታት ሕነ ንምፍዳይ ዘሳወርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ሽዱሽተ ከባቢታት ትሮልሃታን (ምዕራብ ሽወደን) እተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ኮነ ኢልካ እተሳወረ ክኸውን ይኽእል እዩ– ዝብል ጥርጣረታት ከም ዘለዎም፡ ፖሊስ ገሊጾም።

ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ናይ መካይን መዐሸጊ፡ ሰብ ዘይሰፈሮም ኣባይቲ፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበላ መካይን በቲ ባርዕ ከም እተሃሞኻ፡ P4 Väst ገሊጻ’ላ።

ኣብ ትራልሃታን፡ ኣብ ናይ ደቓይቕ ፍልልይ ብርክት ዝበለ ምስዋር ሓዊ ከም እተኸስተ፡ እዚ ድማ ባህርያዊ ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ብስርዓት እተሳወረ እሳት እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣብ ፖሊስ ኣሓዲሩ ምህላዉ፡ ኣብ ኣስትራ-ፊበራል ዋና ኣዛዚት ፖሊስ ጄኒ ዌስት ገሊጻ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com