Thursday , April 25 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ፖሊስ ላዕለዎት ጸፍሒ ጒጅለታት ገበን ዕላማ ብምግባር ስርሒት የካይዱ ኣለዉ።

ፖሊስ ጒጅለታት ገበን ኣመልኪቶም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓድሽ “ሃገራዊ ስርሒት”፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ እዞም ጒጅለታት
ንዝርከቡ ውልቀሰባት ዕላማ ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ስርሒት ንኽዕወት፥ ሃገራዊን ኣህጒራዊን ምትሕግጋዝ ክውስኽ
ፖሊስ ኣተኲሮ ሂቦምሉ ኣለዉ። እዞም ጒጅለታት መርበቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዞባታትን ሽወደን ዘርጊሖም ብምህላዎም፡
ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ፖሊስ ሽወደን ተዋዲዶም ንክሰርሑ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ ክብል ኣብ ክፍሊ ፖሊስ ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ
ስርሒታት ሃምፕ ኒውጎትስ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ፖሊስ ስቶክሆልም ሓላፊት ፍሉይ ኣሃዱ ስርሒታት ሃና ፓራዲዝ ብወገና፥
ገበን እናተቐየረ ብምምጽኡ ንሳቶም እውን ኣሰራርሓኦም ምቕያር ኣድላዪ ምዃኑ ምግንዛቦም፥ በዚ ድማ ኣብ ምክልኻል ገበን
ዝያዳ ኣተኲሮ ክህቡ ምዃኖም ገሊጻ።
መርበባት እዞም ውዱባት ገበን ንምብጣስን ገበናት ዝፍጸመሎም ከባቢታ ኣቐዲምና ንምልላይን ቀሪባን ኢና ዝበለት ፓራዲዝ ፡
እንተኾነ ግና እዞም ጒጅለታት ኣብ ስቶክሆልምን ኣብ ካልኦት ክፋል እታ ሃገርን ብዙሕ መርበባት ዘለዎም ብምዃኖም፡ ኣብ
ስቶክሆልም ዝግበር ስርሒት ብ ሃገራዊ ስርሒት ክሕገዝ ይግበር ምህላዉ ወሲኻ ኣመልኪታ።
ዕላማ እዚ ስርሒት፥ ኣብዞም ጒጅለታት ገበን መቕተልቲን ካልእን ገበን ክፍጸም ዝእዝዙ ላዕለዎት ኣባላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ
ምእታው እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሓደ ካብ ቀንዲ ኣገባባት እዚ ስርሒት፥ ንቊጠባዊ ምንጪ እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምምርማር እዩ
ክብል ሓደ ኣባል ሃገራዊ ስርሒት ፖሊስ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com