Tuesday , April 23 2024

ፖሊስ ማልመ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት እስልምና የመስግን

ወከልቲ ፖሊስ ከተማ ማልመ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ኣካዳሚ’ታ ከተማ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት በጺሖም፡ ምስ ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ’ቲ ኣካዳሚ፡ ሼኽ ሳላሓዲን በረካትን ሓላፊ ጨንፈር ቋንቋ ዓረብ፡ ሼኽ ታጀዲን ፈርፉር፡ ከምተራኸቡ ተፈሊጡ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ማልመ፡ ብሕሉፋት የማናውያን ዝተኻየደ ቅዱስ ቁርኣን ናይ ምቅጻል ኣጋጣሚ፡ ዝሰዓበ ናዕቢ፡ ሓለፍቲ ሃይማኖት፡ ናብ ጎደናታት ወሪዶም ንተሳተፍቲ ኣብ ምዝርራብ፡ ምርድዳእን ምርግጋእን  ዝገበርዎ ጻዕርታት ኣመልኪቱ፡ ፖሊስ ማልመ፡ ምስጋንኡ ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ፖሊስ ማልመ፡ መርኣያ ምስጋኔኡ፡ ንሓለፍቲ ናይቲ ኣካዳሚ፡ ናይ ክብሪ ሽልማት ከምዝሃበ ተፈሊጡ።

ንስድራ ቤት እቲ ኣካዳሚ ወኪሉ፡ ሼኽ ሰላሓዲን፡ ንተበግሶ ፖሊስ ማልመ ምስጋንኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንድሕነትን ሰላምን ከተማ ማልመ ዝገብርዎ ኣበርክቶ፡ ዓወትን ኣሳልጦን ተመንዩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com