Friday , March 29 2024

ፖሊስ ማልሞ ንሓደ ሰብ ዘፈራርሕ ዝነብረ ተኪሶም ወቒዖም!!

ፖሊስ ሽወደን ን ሓደ ኣብ ማእከል መዋፈሪ ባቡራት ከተማ ማልሞ ቦንባ ክፈንጅር እየ ኢሉ ዘፈራርህ ንዝነበር ሰብ ድሕሪ ናይ ቡዙሕ ምሕጽንታ ሃሪሞም ከምዘውድቕዎ ገሊጾም።

ስጋብ ሕጂ ዝኾነ ተወሳኺ መጉዳእቲ ኾነ ሓደጋታት ዝበጽሔ እካ እንተዘየለ እቲ ቦታ ግን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኮይኑ ንግዚኡ ኣገልግሎት ካብ መሃብ ኣቓሪጹ ከምዘሎን ብኽኢላታት ሃንደሳ ዝኮነ ተፈንጀርቲ ከይህሉ ተፍትሽ ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ጻዊዒት ከባቢ 10:10 ከምዝመጾምን ምስ ግብረ ሸበራ ምትሕሓዝ ኣለዎ ድዩ ወይስ የብሉን ንምፍላጥ ገና ተወሳኺ መርመራ ከምዘድሊ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ካሊ ፐርሰን ብምውሳኽ ፖሊስ ነዚ ግለ ስብ ክትኹስሉ ዝኽኣሉ ምኽንያት ንሰብ ብምፍርርሑን ክፈንጅሮ እየ ኣንዳበለ የፈራርሕ ብምንባሩ ተዋሳኺ ሓደጋ ካብ ምስዓብ ንምጉዳል ሙኻኑ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ማንቅስቃስ ባቡራት ካብን ናብን ደው ኢሉ ከምዘሎን ዝኾነ ምትእኽኻብ ኣብቲ ከባቢ ከይህሉ ፖሊስ ከተማ ማልሞ ሓቢሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com