Thursday , April 25 2024

ፖሊስን ሰራዊትን ብሄሊኮፕተር ተሰን ዮም ጠፊኣ ንዝተባህለት ኣዛውንቲ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ምምሕዳር ከተማ ማርክ ብሰሉስ ምሸት ሃለዋታ ንዘጠፍአ ጓል 70 ዓመት ኣዛውንቲ ንምርካብ ፖሊስ :መጫነውቲ ኣኽላባት: ሄሊኮፕተርን ጒጅለ ሰራዊትን ኣብ ጽዑቕ ናይ ምድላይ ስራሕ ምውፋሮም ተገሊጹ።

“እዛ ኣዛውንቲ ትማሊ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ እያ ካብ ቤታ ወጺኣ፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ናብ ቤታ ኣይተመልሰትን” ክብሉ ትማል ለይቲ ስድራቤታ ሰዓት 23 ናብ ፖሊስ ጻውዒት ጌሮም።

“ነዛ ሰበይቲ መጫነውቲ ኣኽላባትን ሄሊኮፕተርን ፖሊስን ወተሃደራትን እናተጠቐምና ንደልያ ኣሎና” ክብል ኣፈኛ ፖሊስ ምዕራባዊ ዞባ ፒተር ኤድልሰን ገሊጹ ኔሩ።

ንጽባሒቱ ረቡዕ ፖሊስ ኣስታት ሰዓት 10 ነዛ ኣዛውንቲ ኣብ ጥቓ ቤታ ኣብዝርከብ ጫካ ብደሓን ረኺቦማ። ብኣምቡላንሳ ናብ ሆስፒታል ምውሳዳ ከኣ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com