Tuesday , April 23 2024
Johan Nilsson/TT

ፖሊስ ሽወደን ን 6 ሰባት ከሲሱ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ከባቢ ፍሩዊንገን (Fruängen) ብዘጋጠመ ሓደጋ ዓባይ መኪና መራሒ እታ ዓባይ መኪና ብኡ ንብኡ ክመውት ከሎ ብዙሓት በቲ ከባቢ ዝሓልፉ ዝነበሩ ዘወርቲ መካይንን ብእግሮም ዝጉዓዙ ዝነበሩ እግረኛታትን ነቲ ሓደጋ ብሞባይል ቴለፎን ክስእልዎ ምርኣዩ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖን ን6 ካብቶም ሰባት ከኣ ክሲ ከምተመስረተሎም ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝኾነ ፊሊፕ ሩንድበርግ፣ ገሊጹ።


ካብዞም ክሲ እተመስረተሎም 6 ሰባት 3 መኪና እንዳዘወርካ ሞባይል ብምጥቃም ዝተኸሰሱ ክኾኑ ከለው እቶም ሰብ ኣጋር ድማ ናይ ካልኦት ሰባት መሰል ብሕታውነት (integritetsintrång) ብምጥሓስ እዮም ተኽሲሶም።


ወላካ ናብ ሽደሽተ ሰባት ጥራሕ ክሲ ይከፈት እምበር እቶም ዝስእሉ ዝነበሩ ኣዝዮም ብዙሓት ምንባሮም ፊሊፕ ሩንድበርግ ሓቢሩ።

እሱን ብጾቱን በዚ ዘጋጠመ ተርእዮውን ከምዝሓዘኑ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com