Thursday , March 28 2024

ፖሊስ ሽወደን ኣብታ ሃገር ብዝለዓለ ደረጃ ብፖሊስ ናይ ዝድልዩ ሰባት ዝርዝር ዕላዊ ጌሩ።

እዚ ዝርዝር ኣስማትን ፎቶግራፍን ኣዝዮም ሓደገኛታት ጥርጡራትን ዝተረፉ ካልኦትን ኣብ ሽወደን ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እዩ ዝርከብ።

እዚ ማለት ኣብ ሽወደን፥ ኖርዌይ፡ ዴንማርክ፡ ፊንላንድን ኣይስላንድን ዝርከቡ ፖሊስ ሓባራዊ ዝርዝር ኣስማትን ፎቶግራፍን ኣዝዮም ሓደገኛታት ገበነኛታት ኣለዎም ማለት እዩ።

“ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገር መሕብኢ ገበነኛታት ክትከውን የብላን” ይብል ሽወደናዊ በዓል መዚ ፖሊስ ናደዝ። ኣብ ሓሙሽቲአን ሃገራት ኖርዲክ ዝርከቡ ፖሊስ “ኣዝዮም ተደለይቲ ” ዝብል ተበግሶ ሕብረት ወሲዶም ኣለዉ።

ዕላማ ዝርዝር ኣስማትን ፎቶግራፍን ኣዝዮም ሓደገኛታት ገበነኛታት ኣብዘን ሃገራት ከይሕብኡ ንምግባር እዩ። ገበንኛታት ብቐሊሉ ብቋንቋ ክረዳድእዎ ዝኽእሉን ንዓዶም ቀረባ ዝኾነን ሕብረተሰብ እዮም ሃዲሞም ክነብሩ ዝደልዩ።

ፖሊስ ስካንዲናቭያ 12 ኣዝዮም ብቐዳምነት ክህደኑ ኣለዎም ናይ ዝበልዎም ዝርዝር ኣስማት ኣዝዮም ሓደገኛታት ኣዳልዮም ኣለዉ። 6 ካብዚኣቶም ኣብ ሽወደን ገበን ዝፈጸሙ እዮም። ዝርዝር ኣስማት ኣዝዮም ሓደገኛታት ጥርጡራትን ምዝርጋሕ ንኽተሓዙ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተኣሚኑሉ’ሎ። ” ንሕና ነዞም ገበነኛታት ሰሜን ንሕስያ ኣይንገብረሎምን ኢና ” ድማ ኢሎም።

ካብቶም ዝርዝር ኣስማቶም ዝወጸ ገበነኛታት ዝሓለፈ ክረምቲ ናብ ካልእ ቤት ማሕቡስ እናተዛወረ ዘምለጠ ብቕትለት ዝሕተት ክሪስቶፈር ኮቴላኖስ ይርከቦም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com