Friday , March 29 2024
TT

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ሆሊስበሪ ብጥይት ዝወቕዖ ሰብ ሰባት ክቐትል ሃቂኑ ምንባሩ ገሊጾም!

ክሱስ ንብዙሓት ኣብ ጎደና ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ብስሕለት ክቐትል ምህቃኑ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ሽወደን እቲ ትማል ምሸት ኣብ ሆሊስበሪ ብጥይት ዝወቕዖ ሰብ ብዙሓት ሰባት ክቐትል ሃቂኑ ምንባሩ ገሊጾም ኣለዉ።

ፖሊስ ኣብ መርበቦም ኣብ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ እዚ ሰብኣይ ምስኣ ርክብ ከም ዝነበሮን ሰባት ብስሕለት ክሃርም ይሓስብ ከም ዘሎን ከም ዝነገራ ኣረጋጊጾም።

ፖሊስ ሰሉስ መዓልቲ ነቲ ሰብኣይ ጥቓ መደበር ሆልስበሪ እግሩ ድሕሪ ምቚሳል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ። እቲ ሰብኣይ ስሕለት ኣብ ኢዱ ሒዙ እናሃልወ እዪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

በተወሳኺ እቲ መግለጺ ፖሊስ ከም ዝሓበሮ ዝሓዝካዮ ስሕለት ኣብ ባይታ ኣቐምጦ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ እኳ እንተተሓተ ምእዛዝ ብምእባዩ እዩ ኣብ እግሩ ክቘስል ዝተገብረ።

እቲ እሱር ንሕክምና ናብ ኡርቡ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምስግጋሩ ብፈተነ ቅትለት ክሲ ተኸፊትሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com