Thursday , April 18 2024
Bild: Johan Nilsson/TT

ፖሊስ ሽወደን ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብጥይት የቚስሉ።

ፖሊስ ሽወደን ክሃድም ንዝፈተነ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብጥይት ኣቚሲሎም ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሎም ተገሊጹ።

እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዞባ Kista ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ዘጋጠመ ኮይኑ ፖሊስ ንመኪና ቈሳላይ ጠጠው ክትብል ተደጋጋሚ ምልክተን መጠንቀቕታን እኳ እንተሃቡ እቲ ኣውቲስታ ክእዘዝ ፍቓደኝነት ብዘይምርኣዩን ክሃድም ብምፍታኑን ፖሊስ ክትኲሱ ከም እተቐሰቡ ተገሊጹ።

ብመሰረት ፖሊስ እቲ ወዲ ኣብ ከባቢ ሰለፉ ከም እተወቕዐን ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ሕክምና ድሕሪ ምግባሩን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com