Saturday , April 20 2024
Johan Nilsson/TT

ፖሊስ ሽወደን ዓሌታዊ ተግባራት ይፍጽምዩ ተባሂሉ።

ሓደ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ሚእቲ ሰባት ብፖሊስ ሽወደን ዓሌታዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊኦም ምፍጻሙ ቃልዕ ጌራ።

ፖሊስ ሽወደን ንሕና ኣብ ስራሕና ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣይንገብርን ኢና እኳ እንተበሉ ጸለምቲ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ብዘይ ገለ ምኽንያት እተዘውተሩ ሚእቲ ዝኾኑ ዓሌታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ዘለፋታትን ሕጫጨን ምጥቃሞን እታ ፕሮግራም ኣቃሊዓ’ላ።

Kalla Fakta ንብዙሓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ሚእቲ ሰባት ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ብዛዕባ ዓሌቶም ዝምልከት ጸርፊን ዘለፋን ከምዝወረዶም አረውን ኣብ ጎደና ከይተረፈ ብሰንኪ ዓሌቶም ከም እተዓግቱን ገሊጾም ኣለዉ።

ገለ ካብዞም ጸርፊታት “ኣናጹ” “ኣሽበርቲ” ዝብል ከም ዝርከቦን ገሊጾም ኣለዉ።

ተጣባቒ ፍትሒ ብወገኑ ኣብዚ ጒዳይ ብዝሕ ዝበለ ጥርዓን ክቕበል ምጽንሑ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com