Thursday , April 25 2024
Foto: TT/SVT

ፖሊስ ሽወደን ገጽ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ጥርጡራት ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት መጽናዕቲ ፖሊስ ሽወደን ገጽ ዘለሊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ጥርጡራት ወንጀል ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም።

ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ሃገራዊ ማእከል መርመራ ወንጀል ነዚ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ናይ ምግዛእ መደብ ኣለዎ።

እዚ ናይ ምሽማት መደብ እታ ሕጋዊ ጒዳያት እትርኢ ሽማግለ ፖሊስ ተቐባልነት ምስ ሃበትሉ ክጸድቕ እዩ።

ሃገራት ኣመሪካን ብሪጣንያን እዚ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ወንጀለኛታት ከም ዝሃድና ይፍለጥ።

ኣብዚ ግዜዚ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ጥርጡራት ኣብ ምርካብ ይሕግዛ እየን። እንተኾነ ግና ፖሊስ ዲኤንኤን ኣሰር ኣጻብዕን ብምጥቃም ነቲ ገነነኛ ናይ ምህዳን ሜላ ዝረቐቐ ናይ ምግባር ድሌት ኣለዎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com