Saturday , April 20 2024
Bild: Johan Nilsson/TT

ፖሊስ ብዛዕባ ኣብ Sätra ዝተፈጸመ ቅትለት ዝያዳ መብርሂ ሂቦም።

እዞም መንእሰያት ብበርክት ዝበለ ጠያይት ኣብ ኣራእሶም ተሃሪሞም እዮም ተረኺቦም።

ሓደ ካባታቶም ከኣ ተወሳኺ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ዘመልክት ቊስሊ ከም እተረኽቦ ተፈሊጡ።

ሬሳታቶም ኣብ ትሕተ ህንጻ መኻዚኖ Sätra ከም እተረኽበ ኸኣ ተገሊጹ። ከምዚ ዝበለ ጎነጽ ከጋጥም ኣብዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ።

እዞም ሬሳታት ካብ ዝሞቱ ብዙሕ ሰዓታት ምስ ገበሩ እዮም ብፖሊስ ተረኺቦም።

መወትቲ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ናይ ገበን ታሪኽ ዘይብሎም ኮይኖም ምስ ገበናዊ መርበባት ርክብ ኣብ ዘለዎም ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ንጡፋት ምንባሮም ግና ተፈሊጡ እዩ።

ፖሊስ ነዚ ጎነጽ ድርብ ቅትለት ክብሉ ብምስማይ ኣብ መርመራ ከም ዝርከቡ፥ እንተኾነ ግና ዛጊት ብጠርጠራ ዝተታሕዘ ሰብ ዘይምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com