Thursday , April 25 2024

ፖሊስ ብጭፍራ ገበነኛታት ይጥቃዕ – ውኖኡ የጥፍእ

ሓደ ፖሊስ ኣብ ሾቭደ ኣብ ገለ ናይ ባእሲ ኩነታት ብብርቱዕ ቆሲሉ። ርእሱ ተሃሪሙ፡ ኣስናኑ ድማ ተሰባቢሩ።

ከምዚ ዓይነት ከቢድ ገበን ኩሉ ግዜ ዚፍጸም ኣይኮነን፡ ስለዚ ብዕቱብ መገዲ ኢና እንርእዮ ይብል ናይቲ ዞና ሓላፊ ፖሊስ ያን ሀልነቪ።

ረቡዕ ሰዓት 8፡45 ምሸት ዝሰኸሩ ሰባት ኣብቲ ናይ ሾቭደ ሰንትሩም ከም ዝኣተዉ ሓበሬታ ተዋሂቡ። ኣብቲ ቦታ ድማ ፖሊስ ተላኢኾም።

እቲ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሮንዳ፡ ብኽልተ ወዲኒታት ተጠቒዑ፡ ሓደ ካብቶም ፖሊስ ተገፊዑ፡ ይብል ሞርተን ጉነንግ¨ ሓላፊ ፖሊስ ቨስት ን TT።

ኣስናኑ ረጊፉ

እቶም ፖሊስ ኣብ ኣካላቶምን ኣብ ገጾምን ተሃሪሞም።

እቲ ሰብ መጀመርያ ውኖኡ ኣጥፊኡ፡ ኣስናኑ ድማ ረጊፉ። ርእሱ እውን ተወቒዑ፡ ይሕብር ያን ኒማን፡ ናይ ስክራቦርይ ሆስፒታል ኣተሓላላፊ ሓበሬታ፡ ን GP

እታ ካለአይቲ ሮንዳ እውን በቶም ወዲኒታት ተጠቒዓ። ተወሰኽቲ ፖሊሳት ምስ መጹ ግን እቲ ባእሲ ደው ኢሉ።

እቲ ውኖኡ ዘጥፈአ ሰብ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፡ ኣብኡ ከም ዚጸንሕ ድማ ተገይሩ፡ ይብል ያን ሀለንቪ፡ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ፖሊስ ን TT።

ተወሳኺ ደገፍ ቀውሲ

ክልተ 30-35 ዝዕድመኦም ሰባት ተታሒዞም ንምርመራ ቀሪቦም ኣለዉ። እዚኣቶም ብቐጻሊ ንሰብ ዚህውኹ ዝነበሩ እዮም። ገበኖም ናብ ኣገልጋሊ መንግስቲ ዝቐንዐ ግፍዒ ዚምልከት እዩ። እዚ ኸኣ ከም ኣዚዩ ዓቢ ገበን እዩ ዚቝጸር።

እቲ ኣስናኑ ዝረገፈ ፖሊስን ብጾቱን ኣብ ከምዚ ኩነታት ዚሰርሑ ምኩራት ፖሊሳት እዮም ይብል ያን።  እዚ ሰብዚ ዝመጽእ ሓሙስ ድ/ቀትሪ ወይ ምሸት ካብ ሆስፒታል ኪወጽእ ትጽቢት ኣሎ።

ያን ሀለንቪ ነቲ ፖሊስ ኣዘራሪቡዎስ ደሓን ከም ዘሎ ይገልጽ። ናይ ስክራቦርይ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ እተጠቕዐ ድጋፎም የቕርቡ ኣለዉ።

ፖሊስ ኣብ ስራሕ ከለዉ መጥቃዕቲ ከም ዚፍጸሞም ርዱእ እኳ እንተ ኾነ፡ እዚ ግን ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ። ነዚ ከም ኣዚዩ ዓቢ ገበን ኢና እንወስዶ ይብል ያን ሀልነቪ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com