Friday , April 19 2024

ፖሊስ ኣብ መሳጊድ ሽወደን መጥቃዕቲ ክወርድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘይብሎም፡ ገሊጾም።

ፖሊስ ኣብ መሳጊድ ሽወደን መጥቃዕቲ ክወርድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘይብሎም፡ እንተኾነ ግና ነቲ ጒዳይ ብቐረባ ይከታተልዎ ምህላዎም ገሊጾም። ኣድላዪ እንተኾይኑ ቊጽሪ ሓለዋ ክውስኹ ድሉዋት ምዃኖም’ውን ገሊጾም ኣለዉ።

ሎሚ ንግሆ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ኒውዚላንድ እተፈጸመ ቅትለት ንጹሃን ኣስላም ኣብ ሽወደን ክድገም እዩ ዝብል ስጋኣት ከም ዘየለን በዚ ድማ ምጥባቕ ጸጥታዊ ኲነታት ኣድላዪ ኮይኑ ከም ዘይረኣዮን ገሊጹ’ሎ።

እቲ ኣብ ስቶክሆልም ንዝተፈጸመ ግብረሽበራ ሕነ ንምፍዳይ እዩ ዝብል ብፈጻሚ እዚ ጨካን ተግባር ኣተዋህበ መልሲ ድማ ተራ ምስምስ እዩ ክብል ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።

“ሕጊ ሽወደን ኣብ ማዕርነት ጾታን ምኽባር ኩሎም ሰባትን ኣዝዩ ምዕቡል ብምኳኑ ንሕሉፋት የማናውያን ሕማም ርእሲ እዩ ኮይንዎም ዘሎ” ድሕሪ ምባል” እዚ ንሳቶም ይጽልእዎ’ምበር ንዓና ግና ኩርዓትና እዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

የማናውያን ጸጋማውያንን እስላማውያን ጥሩፋትን ኩሎም ጸረሰላምን ምርግጋእን ሽወደን እዮም እቲ ኣዝዩ ዝተወደን ግና ሕሉፍ የማናዊ እዩ ኢሉ’ሎ። ኣብ ንጒዳይ ጥሩፋውያን ጒጅለታት ዝርኢ ሕጊ ክመሓየሽ ክኣ ጸዊዑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com