Tuesday , April 23 2024
Christine Olsson/TT

ፖሊስ ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ሓደጋ ከይክሰት መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም።

ሓደጋ ትራፊክ ብፍላይ ኣብ E4 ስቶክሆልምን Ostergotlandን Sormalandን ምስ ምውሳኹ ፖሊስ ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ሓደጋ ከይክሰት መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም።

ኣፈኛ ፖሊስ” ብጣዕሚ ዘፍርህ እዩ። ዘወርቲ መካይን ኣብ መንጐ መካይን እኹል ጋግ ምህላዉ ክቈጻጸሩን ፍጥነት ከጒድሉን ይግባእ ኢሉ።

እቲ ኣፈኛ ወሲኹ እቲ ሓደጋ ፈቖዱኡ ይኽሰት ብምህላዉ ፖሊስ ንኹሉ ክበጽሑ ሽግር ኮይንዎም ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰሜን Vasterbotten ከምኡ’ው ክፋላት Norbotten ክሳብ ፍርቂ ሜትሮ ዝርጒዱ ውርጪ ክወድቕ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com