Friday , March 29 2024

ፖርቱጋል ብ ሰለስተ ሽቶታት ሮናልዶ ተሓጊዛ ን ፍጻሜ ኤውሮፓ ናሽናል ሊግ ሓሊፋ!!

ትማሊ ምሸት ኣብ ግጥማት  ናሽናል ሊግ ኤውሮጳ ተጸሚደን ዘምሰያ ሃገራውያን ጋንታታት ፖርቱጋል ምስ ሲዊዘርላን ፖርቱጋል ብሰለስተ ሹቶታት ሮናልዶ ኣብ 25, 88 ከምእውን ኣብ ምበል 90 ደቒቕ ብዘመዝገበን ሸቶታት ተሓጊዛ ልዕሊ መጋጥምታ ስዊዝ 3ብ1 ተዓዊታ።ፖርቱጋል ካብተን ጸባሕ ዝገጥማ ኢንግሊዝን ምስ ሆላንድ ዝተዓወተት ጋንታ ኣብ ፍጻመ ክትገጥም እያ። ናሽናል ሊግ ንፈለማ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ግጥም እዩ።

ክርስትያኖ ሮናልዶ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ 7 ግዜ ሃትሪክ ሰርሑ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com