Thursday , April 25 2024

ፖርትጋል ተዓዋቲት ቦክሪ ግጥም ሊግ ነሽን ኤውሮፓ ኮይና!!

እዚ ሎሚ ዓመት ንመጀምርያ ግዜ ብ ማሕበር ኩዑሶ እግሪ ኤውሮፓ ተኣታትዩ ዘሎ ሓዲሽ ግጥም ናሽናል ሊግ ብ 5 ግዜ ኮኾብ ዓለምና ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ኣብ ሃገሩ ንዝተኻየደ ውድድር ተዓዊቱሉ።

እዚ ሓያል ግጥም ዝተራእየሉ ጸወታ እታ ተሪር ምኽልኻል ብ ቫንዳይችን ማትያክ ደሊኽን ክትዕወተሉ እያ ዝብሃል ዝነብረ ጸወታ ብ ጉደዝ ኣብ መበል 60 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ክትስዓር ኪኢላ።

በዚ መስረት ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ተዓዋቲት ቦኽሪ ዋንጫ ሊግ ኔሽን ኤውሮፓ ኮይና። በዚ መስረት ናብ ዋንጫ ሃገራት ኤውሮፓ 2020 ብዘይመጻረይ ተሳታፊት ክትከውን ኢያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com