Breaking News
Over 100 people have been vaccinated with old vaccine in Nyköping Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

102 ሰባት፡ መዓልቱ ዝሓለፈ ብልቃጥ ክታበት ተወጊኦም

ኣብ ከተማ ኒሾፒን፡ 102 ሰባት፡ ዕድሚኡ 11 መዓልታት ዘሕለፈ ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር ከምዝተወግኡ ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻባት P4 Sörmland ብምጥቃስ ገሊጹ።

ንዕድመ እቲ መድሃኒት ብዝምልከት፡ ቀጻሊ ዝኾኑ ውሽጣዊ ምቁጽጻር እኳ ክንገብር እንተጸናሕና፡ ኣብዞም ሰባት ግን ቅሩብ ፍሽለት ኣጋጢሙና ክብል ኣብ ምምሕዳር ሶርምላንድ፡ ኣዋሃሃዲ ክታበት ዝኾነ ማግኖስ ዮሃንሰን ገሊጹ።

እቶም በዞም መድሃኒት ዝተኸትቡ ሰባት፡ ብደብዳቤታትን ብቴሌፎንን ከም ዝረኸብዎምን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ድማ፡ ውሽጣዊ መርመራ ከምዝተጀምረ ገሊጾም።

እቲ ዝተዋህበ ብልቃጥ ክታበት፡ መዓልቱ ዘሕለፈ እኳ እንተኾነ፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ ክንደይ፡ ከምዝኾነ ድሕሪ ምስ ኩባንያ ፋይዘር ምርኻብና፡ ጸብጻብና ከነመሓላልፍ ኢና ክብል ማግኖስ ገሊጹ።