Friday , December 1 2023

12 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ሽወደን ብዝቕጽል ዘሎ ጎነጻዊ መጥቃዕቲታት ኣብ መፋርቕ ዕስራታት እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ ትማሊ ኣብ መንበሪ ቤታ
ብዝተፈጸመ ምፍንጃር ህይወታ ምሕላፋ ተሓቢሩ። ብዘይካዚ ኣብ ጆርድብሮ ስቶክሆልም ሓደ ሰብ ብጥይት ከም እተቐትለን
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ተፈሊጡ። እዚ እናኾነ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ኮትቴነት ዝርከብ
ሓደ መንእሰይ ኣብ ስፖርታዊ ልምምድ እናሃለወ ብጥይት ተቐቲሉ’ሎ–ብመሰረት ጸባብ ሬድዮ ሽወደን።

 

Credit: Anders Wiklund/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com