Thursday , April 25 2024

14 ዓደግቲ ፍትወተ-ስጋ ተታሕዞም

ኣብ ዞባ ሚት 14 ብምዕዳግ ፍትወተ-ስጋ እተጠርጠሩ ብፖሊስ ተታሒዞም። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ሓደ ሰሙን ዝወሰደ ኤ.ሕ (EU) ዘበገሶ ንመሸጣ ግብረስጋ ዚምልከት ጻዕሪ እዩ።  ፖሊስ ኣብቲ ናይ ኡፕሳላን የቭለቦርይን ቨስትማንላንድ ዚጥርጥሩዎ ኣድራሻታት ስሊዮም፡ ነቶም ዚጥርጥሩዎም ኪኣትዉ ምስ ረኣዩዎም ድማ ኪወጹ ኸለዉ ሒዞምዎም።

ነቶም ጥርጡራት ምስ ሓዝናዮም መርሚርናህዮም፡ ይሕብር ሚካኤል ኤሪክሶን፡ ኣተሓባባሪ ምርመራ፡ ን TT።

ፖሊስ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምዃን ንብዙሓት ሸየጥቲ ግብረስጋ ዝኾና ኣንስቲ ኣዘራሪቦም። ንሳተን ወጻእተኛታት እየን ዕድመአን ድማ ካብ 19 ክሳዕ 40 ዓመት እዩ፡ ኩላተን ድማ ግዜያውን ቀዋምን መንበሪ ፍቓድ ኤ.ሕ ኣለወን።  ኣብ ሃገር ሽወደን ጾታዊ ኣገልግሎት ክትሸይጥ ሕጋዊ እዩ፡ ይኹንምበር ነተን ኣንስቲ ሓገዝን ሓበሬታን ቀሪቡለን እዩ።

መብዛሕትአን ግዳሴ ኣርእየን ነይረን፡ ግን ነቲ መንግስቲ ዚውፍየለን ኩሉ ኣዚየን ፈሪሀንኦ ስለ ዝነበራ፡ ውሽጠን ኪፍለጥ ኣይከኣልን፡ ይብል ሚካኤል ኤሪክሶን።

ኣብቲ ስርሒት፡ ናይ መሸጣ ሰብ መርትዖ ኣይተረኽበን፡ ግን ብመሰረት ሚካኤል ኤሪክሶን እቲ ናይ ፖሊስ ኣፍልጦ ወሲኹ፡ ስለዚ እቲ ስርሒት ከም ዓጋቲ ኮይኑ ኪሰርሕ ይኽእል እዩ።

ፖሊስ ከምዚ ከም ዚሰርሑ ኪፍለጥ ይግባእ፡ እቲ መልእኽቲውን ኪዝርጋሕ ይግባእ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com