Breaking News
Boat with migrants on the dangerous route between Libya and Europe. (AP Photo/Bruno Thevenin) XAP102

15 ሰባት፡ ናብ ኤውሮጳ እንዳ ሰገሩ፡ ጥሒሎም ሞይቶም

ስደተኛታት ጺዒነን ናብ ኤውሮጳ ዝሰግራ ዝነበራ ክልተ ጀላብ፡ ኣብ ገማግም ሊብያ ብምጥሓለን፡ 15 ሰባት ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ማሕበር ወኪል ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብሰኑይ ምሸት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እተን ጀላቡ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ምሸት ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሳ ምዃነን ጸብጻባት ማሕበር ሓቢሮም።

177 ሰባት፡ በቲ ማሕበርን መሻርኽቱን ከምዝደሓኑ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ካብ ምጅማር ናይዚ ዓመት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 1 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ናብ ኤውሮጳ ንክሰግሩ እናፈተኑ እንከለዉ ከምዝሞቱ፡ ጸብጻባት እቲ ማሕበር ድሕሪ ምሕባር፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 400 ከም ዝዛየደ ገሊጹ።