Friday , April 26 2024

1800 ሰራሕተኛታት ከም እተሰጒ ተረጋጊጹ።

ብመሰረት ውሽጣዊ መግለጺ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ዕዮ 1800 ሰራሕተኛታት ከም እተሰጒ ተረጋጊጹ።

ብመሰረት ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ዝተቐባበላሉ ውሽጣዊ መግለጺ 1600 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ተሰናቢቶም ኣለዉ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን 200 ካልኦት ሰራሕተኛታት ከኣ ኣብ ኣብዝመጽእ ክልተ ሳምንቲ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ ክቕበሉ እዮም።

ብመሰረት ኣርባዕቲኦም ሰልፊታት ዝበጽሕዎ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ጥሪ’ዚ ዓመት ቤትጽሕፈት ዕዮ 4500 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክስጐጉ ምዃኖም ሓቢሮም ኔሮም እዮም።

ካልኦት ሰራሕተኛታት ኣብ ክንዲ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ ዝጽበዩ ብፍቓዶም ካብ ስራሕ ብምልቃቕ ወይ’ውን ካልእ ስራሕ ብምንዳይ ወጺኦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com