Thursday , April 25 2024
Johan Nilsson/TT

20 ዝኾና በረራታት ከም እተኣጓጐላ ምምሕዳር መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ገሊጹ።

መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ስቶክሆልም ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ማክስ 737 ብዝተገብረ እገዳ 20 ዝኾና በረራታት ከም እተኣጓጐላ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምሕምሻሽ ኣውሮጳዊ በዓል መዚ በረራ ብሰሉስቦይንግ ማክስ 737 157 ሰባት ህይወቶም ድሕሪ ምስኣኖም ኣብ ዘውጽኦ እገዳ ብፍላይ ዓማዊል መንገዲ ኣየር ኖርዌይን TUI ይን ከም እተሃስዩ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኖርዌይ ሓደ ዕስሪት ካብ ነፈርታ ኣብ ጋራጅ ክጸንሓ ዝገብር ውሳነ ኮይኑ ናብ ካልእ ክፋል ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝግበር መገሻ ከም ዝጸለዎ ይግለጽ ኣሎ።

በዚ ድማ ዓማዊል ገንዘቦም ክመልሰሎም ከም ኣማራጺ ከም ዝሓዞ ኣፍለጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com