Friday , April 26 2024
TT

4 ሽወደናውያን ዝርከብዎም 157 ሰባት ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቶም።

ሓንቲ ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ ጄት 737 ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምንቃላ ከም እተሓምሸሸት ተገሊጹ። 


እቲ መንገዲ ኣየር ከም ዝገለጾ 149 ገያሾን 8 ኣባላት በረራን ኣብ ቊጽሪ በርራ  ET 302 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ይገሹ ምንባሮምን ኲሎም ድማ ምሟቶም ገሊጹ።

ካብዞም ዝሞቱ 32 ኬንያውያን 18 ካናዳውያን 8 ኣመሪካውያን 7 ከኣ ኢጣልያውያን ዜጋታት ይርከብዎም።

እዚ ምሕምሻሽ እዛ ነፋሪት ኣብ 8፡44 ናይ ንግሆ ዘጋጠመ ኮይኑ እታ ነፋሪት ካብ እትበርር ሸሞንተ ደቓይቕ ድሕሪ ምቚጻራ እዩ ኣጋጢሙ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com