Friday , July 12 2024

34 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም፡ ናይ ጥሜት ሓደጋ፡ የንጸላልዎ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዓመተ 2020 ብግጭት ኣብ ዝሕመሳ ሃገራት ዝነብሩ፡ ልዕሊ 88 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ምንባሮም፡ ኣብዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ከኣ 34 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥሜት ከንጻላልዎም ከም ዝኽእል ሓቢሩ’ሎ።

ንሎሚ ሕጽር ዝበለ መልእኽቲ ኣሎኒ፡ ሰባት እንድሕሪ ዘይዓንጊልካ፡ ግጭት ኢኻ ትሕብሕብ ዘሎኻ ዝበለ፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ መንጎ ግርጭትን ጥሜትን ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘሎ ሓቢሩ። ግርጭት ጥሜት እዩ ዝወልድ። ጥሜትን ዓጸቦን ከኣ ናብ ግርጭት ይመርሑ ኢሉ። ንሱ ኣብዛ ዓመት 34 ሚልዮን ሰባት ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ምህላዎም ኣብ ገሊአን ሃገራት ከኣ ብፍላይ እቲ ሽግር ብግሁድ ይረአ ኣሎ ኢሉ። የመን፡ ደቡብ ሱዳንን ቡርኪና ፋሶን ጥሜት ዘንጸላልወለን ዘሎ ሃገራት ምዃነን ከኣ ኣመልኪቱ።

ኮሚተ ሽልማት ኖቤል ኣብ መንጎ ግርጭትን ጥሜትን ንዘሎ ርክብ ኣፍልጦ ንዝሃበ ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ (WFP) ኣብ ዓመተ 2020 ሽልማት ምሃቡ ዝዝከር እዩ። ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ፡ ኣብ ታሪኹ ዝለዓለ ዝተባህለ ረድኤት ብምግባር ን 114 ሚልዮን ኣህዛብ ምዕንጋሉ፡ ኣብዚ ዓመት ከኣ 5.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝደሊ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዓመተ 2021፡ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት ዓለምና፡ ጥሜት ዘስዕቡ ግርጭታት ምህላዎም ዘመልክተ እቲ ጸብጻብ፡ ብፍላይ ኣብ የመን፡ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ምኽሳቱን ክሳብ 5 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ምህላዉን ተመልኪቱ። ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ልዕሊ 3 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥሜት ምህላዎም ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ፡ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com